ገለ መራሕቲ ቢጃ ንስርዓት ኢስያስ ይኸሱ ኣለዉ፤ ተራ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሞንጎኝነት ናብ ተዛታይ (ተኻራኻሪ) ተቐይሩ ክብሉ ገሊጾም፤

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
18.07.2006
 

መራሕቲ ቢጃ ሱዳን: ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘይንጹህ መንጎኛ ክብሉ ገሊጾሞ።

ነዚ ዝገለጸ ኣቶ ዓሊ ሙኒብ ሓላፊ ዋዕላ ቢጃ ኣብ ውሽጢ ሱዳን፥ ብዕለት 17/7/2006 ምስ መዓልታዊ እትሕተም ሱዳናዊት ጋዜጣ (ኣልወጠን) ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ ኢዩ። ንሱ፡ ዑደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ካርቱም ንኩዉንነት ናይ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ቀይርዎ፣ ኢሳያስ ተጣባቒ መንጎኛን ከምዝኸውን ገይርዎ ኢሉ። ብተወሳኺ ድምጺ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፥ ልዕሊ ድምጺ መራሕቲ ተቓወምቲ ምብራቅ ሱዳን ኮይኑ ይስማዕ ኣሎ ክብል ደጊሙ ሓቢሩ። ተበግሶ መንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ዘይምእኩል ተበግሶ ምኻኑ ኣቶ ሙኒብ ኣብ ቃለ-መሕተቱ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ ኢስያስን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኢዩ ክብል ድማ ገሊጹዎ።  እዚ ናይ መራሒ ቢጃ መግለጺ’ዚ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብቲ ብዕለት 17/7/2006 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ግንባር ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ክግበር ተወሲኑ ዝነበረ ልዝብ ሰላም እናተኻየደ እንከሎ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3378

Posted by on Jul 18 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net