“ህግደፍን መዝማዚ ትካላቱን”

ውድባውን ግላውን ጥቕሞም ዝተተንከፎም ኣባላት ህግደፍን ኮራኹሮምን ነቲ ብጸጥታ  ሑቡራት መንግስታት ዝተወሰነ  ናይ እገዳ መቕጻዕቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይተጸበይዎን ኣብ ግምት ዘየእዉዎን ኣሉታዊ ውጽኢት ስለዘኸተለ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝዓይነቱ ናይ ዓቕሊ ጽበት ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ይርኤ’ሎ። ነዚ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19.02.2010 ዝተኻየደ ኣኼባን ተኸታቲሉ ብድሕሪኡ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ መዝማዚ ኣኼባታትን ንምክያድ ንኩሉ ብዝተፈላለየ ስራሓት ናብ ቤት-ጽሕፈት ዝመላለስ ዜጋ ስሙን ኽታሙን ምውሳድ ኣብ እንዳ ሻሂታትን ሕጊ ዘየፍቅዶ ገዛ ገዛ ሙዛርን ከይኣኸሎም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ኤርትራ ርያድ ዝሰርሑን ኤርትራውያን መምህራንን ሰራሕተኛታትን ከምኡ’ውን እንታይነት እገዳ ዘይፈልጡ ዓቕሚ ኣዳም ዘይበጽሑ ተማሃሮን ከይተረፉ በቲ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ማሕበረ-ኮምን ዝኾነ ርእሰ-መምህራን ተገዲዶም ከምዝፍርሙ ተገይሩ።      

እዚ ብምፍርራሕ ዝእከብ ዘሎ ክታማት ነቲ ብመንከማይን ኣብ ጉዳይ ጉረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ምእታውን ኣኸቲልዎ ዘሎ እገዳ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ሕልሚ ጥራይ ዘይኮነስ ንዝመጽእ ዓርቢ ዕለት 26/02/2010 ብመዝማዚ ትካል “ኮሚተ መኸተ” ዝተጸወዓ ብርእሰ-መዝማዚ ኣምባሳደር ህግደፍ ዝምራሕ ናይ ምዝመዛ ወፍሪ ፍቱሕ ሰሚናር መንገዲ ንምስልሳልን ብምኽንያት እገዳ ኣቢልካ ሑቡእ ናይ ምዝማዛ ኣጀንዳ ኣብ ሲሚናር ንምጽዳቕ መደብ ተታሒዙ ስለዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ቅድሚ ነዚ ኣረሜናዊ ጻዊዒት ኣኽቢሩ ምኻድ ደም ስዉኣትን ብሰንኪ ኣረሜናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፍቆዶ በረኻን ባሕርን ውቕያኖስን ሂወቶን ዝሳኣኑን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሂወቶም ንምድሓት ተሰዲዶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን መንእሰያት ምዝካር ኣድላይን ኣገዳስን ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ዘይተንኮፎን ዘየሳቐዮምን ዘየራኸበሉን ኤርትራዊ ስድራ-ቤት የለን። ህግደፍ ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ክጠፍኣሉ ዘይደሊ ኤርትራዊ’ውን የለን። ድልየት ብዘይስራሕ ስለዘይዕወት ፍርሒ ኣወጊድና ብሙሉእ ሓይልና ሑቡእ ኣጀንደኦም ንምፍሻል ንዊታውን ሞራላውን ሓገዛን ካብ ምሃብ ንምቁጣብ ኣብቲ ጻዊዒጥ ንከይንርከብ ጻዊዒትና ነማሓላልፍ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=343

Posted by on Feb 26 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net