ከዳዕ ወፍሪ !!

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

25 ለካቲት 2010

ናይ ሓሶት ወፋራይ

በይኑ ዘጣቕዕ ዘራጊ ውራይ

ቀደሙ ከይኣክል፡ ዝኸፍአ ዳሕራይ፡

          ሓርበኛ ከተማታት፡ ግንባር ጀነቭ

          ግዝኣተ ሕጊ ደርቢኻ፡ መሪጽካ ገንዘብ

          ኣይንረብሓኻን፡ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘብዘብ፡

መላኺ ጎይታኻ ክሕጎስ

ክብርኻ ሸይጥካሉ፡ ብጣዕሳ ዘይምለስ

ንብረትካ ከይራሰ፡ ከይውረስ፡

          ኣትረረኽበን፡ ዕደ ደኣ ሎምስ

          ንስኻ ክትኽሽን፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክልሕስ

          ኣብ ሓዘን ህዝቢ፡ ቀታሊ ክትድብስ፡

ውሃ ደንቆሮ ውሃ ዓሻ

ግርም መሳሰዩ ናይ ጥፋኣት መገሻ

ካብ ምድሪቤትካ ምጽራይስ ግዳም እንተሒሻ፡

         ወግዒ ቀቢሩ ብኵርማጅ ዝገዝእ

         ነፋጊ ክብሪ፡ ንቡር ዘጥፍእ

         ማእለማ ተንኵል፡ ቅሳነት ዝኸልእ፡

እንተወደቕዮ ዝሰብር

እንተወደቐካ ዝሰብር

ሕልና ዘይብሉ፡ ዘይዳነ ዘይምሕር፡

         ደምካ ስትዩ፡ ስጋኻ በሊዑ

         ዓጽምኻ ሰቢሩ፡ መጽይዎ ኣንጕዑ

         ጋኒኑ ኣስፊርሉካ፡ ሲኢንካ ምርትዑ፡

ሕሰቦ’ሞ ኣስቆርቝሮ

ጻማኻ ገይርዎ ትያትሮ

ታሪኽካ፡ ታሪኽና ኣይግበሮ፡

          መኻይዲ ኣሬሜን መልክዑ ሰብ

          ኣይትመራመር ኣትሓስብ

         ኣይትመኻኸር ኣይትላዘብ፡

ክላ ጽደፍ ካበልካ ክጸድፍ

ዘይንሱ ደኣ እንተይ ደሊዩ ህ.ግ.ዲ.ፍ

ኣይጸግበካንዩ ዋላ ትንፋስካ ትሕለፍ፡

         ንጉስካ ዊስኪ ዓቲሩ ኣብ ባጽዕ

         ከንፈሩ ከልምጽ ጸጊቡ ከጕስዕ

         እንታይ ኣበለካ ንጀንቭ ጸፋዕፋዕ።

ጠቕሚ የብልካ ረብሓ

ኣብ ክንዲ መላኺ፡ ካብ ቀረብካ ንስሓ

ታርኽ ኣይምሕረካን እንተስ መስያ ወጊሓ፡

         ኣካ ሰማዕናዮ ላግጺ ዓሽካዕላል

         ምስ ኣል ጀዚራ ዕላል

         ከም ኣመልካ ኣጣቕዕ ዓልል፡

ንሱ’ዩ እቲ ትምክሓሉ

ንጀስዋ ኣሉ፡ ንጋንታ ኤርትራ ኣሉ

ፈዅሱ ተዋሪዱ ባዕሉ

ማስኬራ ለጊሱ ተበሊሉ፡

         ክንዲ’ዚ ዶ ሰብ ይሕቆን

         ሳላ ኣል ጀዚራ ተቃሊዑ ሓሶተን ሓቐን

         ዊስኪ ኣየትብዕ፡ ጂን ኣየድሕን፡

ብመስተ ዝሕባእ

ኣብ ባይቶ ከይጋባእ

መሬት ይባድም ህዝቢ ይጥፋእ፡

         መብጽዓ ዘይብሉ

         ዓጻፊ ቃሉ

         ሕጂ ድማ ዕበዱ ህለሉ

         ክንደይ ክተቕልብሉ፡

 ፍትሒ ይንገስ

ክነግስ’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=337

Posted by on Feb 25 2010 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net