ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ሽወደን ንመንእሰያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ኣብሪሁ

ወኪል ንሓርነት
13.10.2006
 

ላዕለዋይ ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ 6-12 ጥቅምቲ 2006 ኣብ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዑደት፤ ምስ ሰበስልጣን መንግስትን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ሽወደንን፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት ናይ ኤርትራውያንን ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ብምርኻብ ንኵነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ መንእሰያትን ዓቢ ኣገዳስነት ብምሃብ ተዘራሪብሉ።

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማርን፥ ምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤልን (ደጊጋ)፡ ከምኡ ውን፡ ክልተ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብዕለት 7ን 8ን ምስ መሰረታት ውድብን ምስ ህዝብን ክልተ ኣገደስቲ ኣኼባታት ኣካይዱ።

ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት፡ ልኡኽ ውድብና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ካልእ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ንኵነታት ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፥ ብፍላይ ከኣ፡ ብዛዕባ’ቶም ናይ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚትዎምን ኣብ ኵሉ እምነት ኣጕዲሎምን ዘለዉ መንእሰያት ብኣንኵሮ ተዘራሪብሉ። እዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ጽብብ ዝበለ ምይይጥ ምስ ኤርትራውያን ይኹን ኣብ’ቲ ምስ ቲቪ ኣዳልን ቲቪ ዘተን ናይ ስቶክሆልም ዝተገብረ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሓትት ውን ተላዒሉ ተዘሪብሉ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ልኡኽ ውድብና፡ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ናይ ሽወደን፡ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ብዕምቈት ተመያይጥሉ ኢዩ።

ምስ ወከልቲ ናይ ሽወደን ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ስደተኛ ይኹን፤ ከምኡ ውን፡ ነቶም 10,000 ዝዀነ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሺመልባ ተዓቝቦም ዘለዉ ስደተኛታት ዝውሃብ ረዲኤታዊ ደገፍ ዳርጋ ከምዘየለ ኣብሪሆም። ሚስተር ስተፋን ዊኪንግ፡ ናይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዋሃሃዲ ኣህጕራዊ መደብ ቀይሕ መስቀልን፤ ሚስተር ፒ. ኣላን ኡልሶን፡ ወኪል ቀይሕ መስቀል ሽወደን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ናይ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ፈደረሽን ማሕበርን፥ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግባእ ቆላሕታ ከምዘይተዋህቦም ድሕሪ ምእማኖም፤ ኣህጕራዊ ናይ ረዲኤት ትካላት፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ጕዳይ’ዚ ከም ህጹጽ ሰብኣዊ ሕቶ ዝግባእ ቆላሕታ ክገብራሉ ተስፋ ከምዘለዎም ድማ ገሊጾም።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፡ ናይ’ዚ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እተመስረተ ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ውን፡ ብሰንክ’ቲ ግጉይ ፖሊሲታት ናይ ሓደ ውልቀ-መላኺ መራሒ ካብ ዞባውን ኣህጕራውን ተነጺላ እትርከብ ሃገርና ዘጋጥማ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ብልኡኽ ውድብና ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ቀሪብሉ።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ላዕለዎት ወከልቲ ናይ ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደንን፥ ከምኡ ውን፡ ምስ ሽወደናዊ ሰልፊ ጸጋም ብምርኻብ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዘሕድረሉ መተካእታ ሓይሊ ክኸውን ንምብቃዕ፥ ንዓቕምታት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክብ ኣብ ምባል ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይ ዑደቱ፡ ልኡኽ ውድብና፡ ምስ ሽወደናውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ምስ’ቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝምድና ዝጸንሖም ጋዜጠኛታትን ውን ተራኺቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ውን፡ ምስ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ኤምባሲታት ብምርኻብ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ብዛዕባ ኵነታት ተቓወምቲ ውድባት ድማ ብፍላይ፡ ናይ ሓያልነትን ናይ ድኽመትን ነጥብታት ዘጠቓለለ ዝርርብ ኣካይዱ።

  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3447

Posted by on Oct 13 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net