ኣሎ በርከት

1010-2006 ረ.ክ (ባሻይ)

ኣሎ በርከት ሓፋሽ ተላዒሉ

አዒሙ ዝጸንሐ ኣብ ጽላሉ

ጩራታት ረኺቡ በሪሁሉ

      ኣሎ በርከት ኣጆኹም ጀጋኑ

      ይበራበር ኣሎ ዝጸንሐ ደኒኑ

      ሰሚዑኩም ከፊቱወን እዝኑ

ኣሎ በርከት ጒዳየን በሪሁ

መሲሉወን ጀጋኑ ዝፈርሁ

ደቂ ድኾን ቃቅ-ቃቕ ኢለን ደረሁ

      ኲዒትካዮ ማይ ዘይብሉ ዒላ

      ኣልቦ-ነገር እንታይ ክግልላ

      ሻንኬሎ ትምለስ ጋው-ጋው ኢላ

ኣሎ በርከት ኣጀኹም ደረስቲ

ደቂ ዓደይ ደቂ’ዞም መጐትቲ

ደቂ ዛግራ ደቂ’ዘን ነቀውቲ

      ደቂ እምባ ግመ ዝኸበቦ

      ደቂ ሕጻ ዓካት ዝርከቦ

      ደቂ ባሕሪ ዓሳ ዝሕምበቦ

ኣሎ በርከት በልዎ ’ቲ ድርሰት

ኣቦኹም ዲዩ ኣዴኹም ዘጽቀጠት

ኣይመንገዱን ናይ እንዳመን ፍዂሰት

      ዓሻ እንተ ጽሓፈ ክዛረብ ይጋገ

      ኣብ ውሻጠ ኣለና የብልናና ኣብ ደገ

      ሓድሽ ይብል እሞ ዳሕራይ ዝኣረገ

ልቦም ዝተደፍነ ዘይከውን ዝመኽሩ

ብሓንሳብ ክበልዑ ያኢ ክድረሩ

መዀስ ከናድዩ ሽጒርቶም የሕርሩ

      ዓሻ ሰበይቲ ጀልጋፍ ’ዝኽዳና

      ፍርቁ ናብ መሬት ፍርቁ ናብ ዝባና

      ምስ ሰብኣያ ትብኣስ ብሳምና

እንታይ’ዩ ክርከብ እንታይ’ዩ ክኽሰብ

እንዳ ቆንጠጠፈ እንዳ ኣሻዂ ገረብ

ኣብ ሩባ ደቂስካ ውሕጅ መረብ

      ኣሎ በርከት ወልዕዎ ሽምዓ

      እቲ ሰፊሕ ዳስ ናይ ጀጋኑ መርዓ

      ከዳዕ ሳንቡእ ተስተንፍስ እንቅዓ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2416

Posted by on Oct 10 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net