ኣኼባታት ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ህድኣት ብዝዓሰል ኣገባብ ይቕጽል ኣሎ ።

GIC
13/2/2007
 ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ዕለት 3-4 መዓልታት ዘካየዶ 8ይ ስሩዕ ኣኼብኡ  ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ገምጋም ብምግባርን  ጸብጻባት ፍሉይ ኮሚቴታት ብምስማዕን   ናብቲ ብዕለት 10 ዝጀመረ ኣኼባ  ማእከላይ መሪሕነት ኣቕሪቡ ። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ስርሓት ገምጊሙ ፣ ኣብ ምምዕባል  ቻርተርን ቅርጺ ኪዳን ክዝቲ ፣ ንዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ምስ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣዛሚዱ ድሕሪ ምርኣይ  ኣኼብኡ ጽባሕ ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።

 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 15 ክጅመር ትጽቢት ዝግበረሉ 1ይ ጉባኤኡ ንምጅማር ወከልቲ ኩለን ውድባት ኣብ ቦታ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ጽፍሕታት ዝተራእየ ህዱእ ኣኼባታት ምስ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመታት ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ህዱእን ምርድዳእ ዝዓሰሎን ምኻኑ ኣወንታዊ ለውጢ እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዓቢ ድርኺት ክህልዎን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ዝሓሸ ኣንፈት ተታሒዙ ከምዘሎ ዝእንፍትዩ ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ የካቲት 2005 ዝተመስረተ ኮይኑ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምትእኽኻብ ብዝለዓለ ደረጅኡ ኣብ ውሽጡ ንዘይነበሩ ካልኦት ሓይልታት ማለት ሰውራዊ ባይቶ ፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ወሲኹ ቅርጹን ኣወዳድቡን ኣዕብዩ ክኸይድ ዝጸንሐ ግንባር እዩ ። እዚ ምዃኑ ድማ እቲ ብሓደ ዓይነት ጥራሕ ክምዕብል ዝጸንሐ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ባእታታት ምውሳኹ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድርኺት ይፈጥረሉ ። መስፍን ሓጎስ ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ህግሓኤ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ናቕፋ ኣብ ዝተገብረ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ናይቲ ውድብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ድምጺ ብምርካብ ከም ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2001 ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ኣባላቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ   ብጉጅለ 15 ዝፍለጥ ናይ ምትዕርራይ ተብግሶ ዝወሰዱ ኣባላትዩ ። ዓብደላ ኣደምውን ብተመሳሳሊ ገዲም ተጋዳላይን ኣብቲ ስርዓት ከም ኣንባሳዶር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝሰርሕ ዝነበረዩ ፣ ከምኡውን ኣድሓኖም ገብረማሪያም ኣንባሳዶር ኤርትራ ኣብ ናይጀርያ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ኣባል  ጉጅለ 15 እዩ ። እዞም ዝተጠቕሱ ናይ ህግሓኤ ኣባላት ዝነበሩ ኣብቲ ኪዳን ምጥርናፎም ብዘለዎም ሚዛን ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3467

Posted by on Feb 13 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net