ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምሕላፍ ይቕጽል ኣሎ ።

GIC
19/2/2007
ሓሙሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳት ናይቲ ኪዳን ዓሞቕቲ ዘተታት ብምክያድ ኣገደስቲ ለውጥታት ብምግባር ብልዙብ መንፈስ ይቕጽል ከምዘሎ ወኪል ጋልፍ ኤንፎርሜሽን ሰንተር ካብቲ ቦታ  ሓቢሩ ።

  ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ናይ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣኼቡ ንጉዳይ ቻርተር ብጽሞና ብምራይ ብዛዕባ መሰል ብሄራት ስጋብ ምግንጻልን ምምሕዳር ብሕጊ ሃይማኖትን ዝገልጻ ዓንቀጻት  3ን 4ን ዘድሊ ምምሕያሻት ብምግባር ማእከላይ ናይ ኣማራጺ ዓንቀጻት ብምቕማጥ ከምዘመሓሽ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

 እቲ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲውን ቀጺሉ ውዒሉ ከምዘሎን ብመሰረት ተሰሪዑሉ ዝነበረ ናይ ጌዜ ሰሌዳ  ጽባሕ ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ ። ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ኣገደስቲ ምምሕያሻት ኣብ ቻርተር ምግባሩ ከም ዓቢ ዝላ ዝረኣ ኮይኑ ነቲ ተመሓይሹ ቀሪቡ ዘሎ ቻርተርን መደብ ዕዩ ብዝግባእ እተተግብር መሪሕነት ምምራጽ  ናይዚ ጉባኤ ዝለዓለ ዕማምዩ ክብሉ ብዙሓት ትዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ ። ቐንዲ ሽግር ምትእኽኻብ ተቓወምቲ  ሓይልታት ኤርትራ ድኻም ናይ መሪሕነት ኮይኑ ምጽንሑ ንኹሉ ብሩህዩ ፣ ስለዚ ዝጽበዩና ዕማማትን  ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስራሕ ባይታ ኣብ ግምት ብምእታው  ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ካብ ቁሩቁስ ናይ መሪሕነት ብምውጻእ ኣብ ኩሉ ዓውድታት  ብቑዓት መራሕቲ  መሪጹ ብዓወት ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ።   

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3481

Posted by on Feb 19 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net