News

ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምሕላፍ ይቕጽል ኣሎ ።

GIC
19/2/2007
ሓሙሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳት ናይቲ ኪዳን ዓሞቕቲ ዘተታት ብምክያድ ኣገደስቲ ለውጥታት ብምግባር ብልዙብ መንፈስ ይቕጽል ከምዘሎ ወኪል ጋልፍ ኤንፎርሜሽን ሰንተር ካብቲ ቦታ  ሓቢሩ ።

  ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ናይ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣኼቡ ንጉዳይ ቻርተር ብጽሞና ብምራይ ብዛዕባ መሰል ብሄራት ስጋብ ምግንጻልን ምምሕዳር ብሕጊ ሃይማኖትን ዝገልጻ ዓንቀጻት  3ን 4ን ዘድሊ ምምሕያሻት ብምግባር ማእከላይ ናይ ኣማራጺ ዓንቀጻት ብምቕማጥ ከምዘመሓሽ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

 እቲ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲውን ቀጺሉ ውዒሉ ከምዘሎን ብመሰረት ተሰሪዑሉ ዝነበረ ናይ ጌዜ ሰሌዳ  ጽባሕ ክውዳእ ትጽቢት ይግበረሉ ። ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ኣገደስቲ ምምሕያሻት ኣብ ቻርተር ምግባሩ ከም ዓቢ ዝላ ዝረኣ ኮይኑ ነቲ ተመሓይሹ ቀሪቡ ዘሎ ቻርተርን መደብ ዕዩ ብዝግባእ እተተግብር መሪሕነት ምምራጽ  ናይዚ ጉባኤ ዝለዓለ ዕማምዩ ክብሉ ብዙሓት ትዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ ። ቐንዲ ሽግር ምትእኽኻብ ተቓወምቲ  ሓይልታት ኤርትራ ድኻም ናይ መሪሕነት ኮይኑ ምጽንሑ ንኹሉ ብሩህዩ ፣ ስለዚ ዝጽበዩና ዕማማትን  ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስራሕ ባይታ ኣብ ግምት ብምእታው  ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ካብ ቁሩቁስ ናይ መሪሕነት ብምውጻእ ኣብ ኩሉ ዓውድታት  ብቑዓት መራሕቲ  መሪጹ ብዓወት ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ።   

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top