News

ኣብ ሊብያ ልዕሊ 400 መንእሰያት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ተፈሊጡ ።

GIC
31/1/2007
ብመሰረት ኣብ ሊብያ  ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኤርትራውያን በቴለፎን ዝበጸሓና  ሓበሬታ ልዕሊ 400 ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም  መንእሰያት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ማለት ኩፍራ ቢንቃዚ ትራብሎስን ካልኦት ከባቢታትን  ኣብ ሓደ ቦታ ይእክብዎም ከምዘለዉን ናብ ኤርትራ  ክሰጉዎም ምዃኖም ዘአንፍት ሓበሬታ ከምዝሃብዎም ይገልጹ ኣለዎ ።ብተወሳኺ እቶም እሱራት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ዝለዓለ ብምኻኑ ንኹሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ካብዚ ዝተጠቕሰ ስግኣት ንምድሓን ዝከኣሎም ዘበለ ክጽዕሩ ተማሕጺኖም ኣለዉ ።

  ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሱና ዝተባህለ ማዕከም ሓበሬታ ሱዳን ከምዝገለጾ መንግስቲ ሊብያ ነቶም ብዘይሕጋዊ ኣብ ሊብያ ዝቕመጡ ስደተኛታት ምጽራይ ብምግባር ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ከተውጽኦም ዘድሊ ምቅርራባት ከምዝገበረት ንሓላፊ ኢሚግሬሽንን ዕዮን ሊብያ ብምጥቃስ ሓቢራ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top