ንኹላትና ኣምላኽ ይምሓረና

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 30/01/07

     ሓቢርና ከይንሰርሕ ብረቂቕ ተንኮል ፈላልዮሙና

     ብፍቕርን ስኒትን ዝዓበና ህዝቢ ዘጻልእ ዘሪኦሙልና

     ነዛ ሰላም ንኽንበሃሃል ኣብ መን ይቐድም ተባጺሕና

     ተቓሊስና ዘምጻእናያ ነጻነት ሸፋቱ ጨውዮሙልና

     የሕዝን ዘራግ ባህልን ሃይማኖትን ክትወልድ ሃገርና

                     ርህራሀ ዘይብሎም ካብ ኣፍ ህጻናት ዝምንዝዑ

                     ኣዛብእ ከተማ ብኢድ ገዲፎም ብእግሮም ዝበልዑ

                     ተካላት ፍጥረት ሽግር ህዝቦም ኣዚሮም ዘይሪኡ

                     ኣብክንዲ እኽሊ ንነገር ዝኸውን ጠያይት ዝዘርኡ

      ኣንቱም ንህግደፍ ትውድሱ ንሃዋሁው ትጽልዩ

      ድኹማት ሃዋርያት ዓስብኹም ካብ ጋኒን ትጽበዩ

      ህግደፍ ፋዕራይብሉን በብሓደ ክለቕመኩምዩ

      ንህዝብኻ ምምሳል ይሓይሽ ድሓር ከይትበኽዩ

                    ብጻዕዳ ሓሶቶም ሃገር ንሃንጽ ኣለና እናበሉ

                    እናረአና ህዝቢ ካብ መናብሮኡ ተፈናቒሉ

                    ህግደፋውያንከ ነዚ እናሰማዕኩም ታይትብሉ

                    ድርቅና ግደፉ ንህዝብኹም ቁሩብ ሕሰብሉ

                    ክልተ ሓቂ የለን ፍርድኹም ሃቡ ኣይትዎላወሉ

      ርኣይዎ ምዕባለ ጎይተትኩም ህግደፍ ሊቃውንቲ

      ቤት ትምህርቲ ዓጽዮም ዝሃንጹ ቤት ማእሰርቲ

      ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ዝኹሉ መቕዘፍቲ

      ከይተነግረሉ ዝጭወ ዘሎ ብጸልማት ብለይቲ

      ብዝኮዖ ዘሎ ደም ዳሕራይ ከይትኾኑ ተሓተቲ

                   ብዓል ኣቦይ ገረሓንስ ብዓል ኣያ ተሳርያም

                   ብበረኸት ብበዓል ወዲ ሻውል ተመሪዝኩም

                   ሕፈሩ ዝላ ግደፍዎ ኣብ ልዕሊ ረሳታት ደቅኹም

                   ሰላም ሃብዎም ጓይላ ግደፉ ስውኣት ከይረግምኹም

                   ብደም ጀጋኑ ምጽዋት ሓራምዩ መዓት ከይወርደኩም

      ይኣኽለክን ምልሃይ ብዓል መዓሮ ለቱ ቐበዝባዛ

      ብጓይላ ህግደፍ ከም ከርበ እሕምባየ እሕምባዛ

      ንስኻትክን ትዕልላ ደቅኽን ኣብ ሲኦል ብቓረዛ

      ኣብ እርጋንክን ኣይትዕበዳ ባህሊ ኣደታትክን ሓዛ

      ብህይወት ደቅኽን ኣይትቋመራ ይኣኽለክን ዋዛ

                    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ን ስዉኣትና ኣሜን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3591

Posted by on Jan 30 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net