መበል 5ይ ዓመት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መልበርን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
06.01.2007
ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብዓርቢ ዕለት 5 ጥሪ 2997፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ፈስቲቫል ዘካይደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ሰላማዊ ሰልፈኛታት፡ ዘቃልሕዎ ዝነበሩ ጭርሖታት፡ ኣብ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት መሰረታዊ ለውጢ ክግብር ዝጠልብ ነበረ። ብርክት ዝበሉ ኣውስትራላውያን ሓለፍቲ መንገዲ ውን፡ ኣብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምጽንባር፡ ነቲ መደረታት ሰሚዖምን ጨሪሖም ምስ’ቲ ሰልፈኛ ክስዕስዑ ተራእዮምን።

ሓው መሓመድ ኑር ኣሕመድ፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ስርዓት ኤርትራ ኣብ ቻይናን ሰክረተር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፤ ሓው ብርሃን ሸዲ፡ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ፡ ከምኡ ውን፡ ሩዓ ማሕሙድ ሓሳብ፡ ነቲ ብጕዳይ መንእሰያት ዝግደስ “ኤርትርያና” እተባህለ ማሕበር ወኪላ ንገበናዊ ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ዝዅንን መደረ ኣስሚዖም። ሓው ኣሕመድ ኣቡበከር ድማ፡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተወሳኺ ድምቀት ዝሃበ ደርፍታት ናይ እንግሊዝ ብምቕራብ፡ ንዕላማታት ናይ’ቲ ሰልፊ ናብ’ቶም ኣብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ እተሳተፉ በሽሓት ዝቝጸሩ ኣውስትራላውያን ከምዝበጽሕ ገይሩ።

ኣብ ርእሲ’ሲ፡ ሰላማዊ ሰልፈኛታት፡ ብኣህጕራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረቡ ንስርዓት ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዑ ወረቓቕቲ ኣባዚሖም ዘርጊሖም። ከምኡ ውን፡ ብሓደ ኣውስትራልያዊ ጋዜጠኛ እተቐርጸ፡ ኣብ መደበር ሳዋ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ናይ ስጋዊ ርክብ ዓመጽ ዘቃልዕን፤ ኢሳያስ ምስ አይ.ቢ.አስ (ABS) እተባህለ ናይ ተለቪዥን ማዕከን ዝሃቦ፡ ኣነ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ካብ ስልጣን ክእለ ኢላካ ምሕሳብ ዘይከኣል’ዩ ክብል ዝሃቦ ቃለመሓትትን ዘርኢ ፊልም ኣርእዮም።

ዊልያም እተባህለ ሩዋንዳዊ ደራፋይን ገለ ኣውስትራላውያን ደረፍትን ውን፡ ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝጽውዑ መዛሙር ኣስሚዖም። ንመጀመርያ ግዜ ድማ፡ ወኪል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፉ ነይሩ። ከምኡ ውን፡ ወኪል “ማሕበር ቪክቶርያ ጸረ ዓዛብ” ኣብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፊሉ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ብስርዓት ኢሳያስ ን6ይ ዓመቱ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ምዝዛሙን፡ ነታ ክፍሊ ባህሊ ዝመርሕ ዝነበረ ሓላፊ ኣብ’ቲ ፈስቲቫል ዘይምስታፉን ቍጽሪ ተሳተፍቲ ኣዝዩ ውሑድ ምንባሩን ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ እቲ ፈስቲቫል ንሰለስተ መዓልታት’ዩ ዝቕጽል ዝነበረ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ፡ ንዕላማታት ናይ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝድግፍን ዝጻረርን ክትዓት ከምዝተኻየደ ዖና ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ንሓሙሻይ ዓመቱ ብዘይምቍራጽ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ምዃኑ ይዝከር።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3522

Posted by on Jan 6 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net