ሓሙሻይ ሰላማዊ ሰልፊ መልቦርን ኣውስትራልያ

እቲ ዓመት ዓመት ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ መልቦርን ሎሚ ዓመት ውን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ሎሚ መዓልቲ ዕለት 5 ጥሪ 2007 ነቲ ብህግድፍ ዝካየድ ፈስቲቫል ንምቅዋም ክዳሎ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ ብዕውት መንገዲ ጀሚሩ።

ቅድም ኢሉ ብጽሑፍ ዝቐረበ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘብርሆ፡ ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ መልቦርን፡ ነቲ ባህላዊ ገጽ እቲ ፈስቲቫል ዘይኮነ ነቲ ፖለቲካዊ ገጹን ትርጉምን ምቅዋም ምዃኑ ኣብሪህዎ እዩ። ኣብ ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ውን ንኹሎም ኣቶም ኣብ ፈስቲቫል ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ብኽብረት እናጠመተ ተቓውምኡ ዘስምዐ ኣዝዩ ምዕቡልን ሰላማውን ኣገባብ እተኸተለ ሰላማዊ ሰልፊ ነበረ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣምባሳደር ነበር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ንዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣመልኪቱ ሓጺር መግለጺ ሂቡ። ቀጺሉ ከኣ ኣቦ መንበር ማሕበረ ሰብ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ዶክተር ብርሃን ኣሕመድ ንትርጉም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ተወሳኺ ቃል ኣቕረበ። መንእሰይ ረውዓ መሓመድ ሓሰብ ውን ንኤርትራውያን መንእሰያት ዘተባብዕን ተቓውምኦም ከሓይሉ ዝጽውዕን ቃል ሃበት።

ድሕሪ’ዚ መንእሰይ ኣሕመድ ዓበረሒምን ውልያም ዝተባህለ ቡሩንዳዊ ምዝቀኛን ንፍትሕን ዲሞክራስን ሰላምን ዝጽውዕ መዝሙር ብምዝማር ንሰላማዊ ሰልፊ ፍሉይ ድምቀት ሂበሞ ነብሩ። እቲ ዝቐረበ ፖስተራት፡ ብቭድዮ ዝተቐርጸ ሰነዳት፡ ስእልታትን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ዘንጸባርቕ ነበረ።ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ናይ ኣውስትራልያ መራኸቢ ብዝሓትን ውን ብቐረባ ንሰላማዊ ሰልፊ ይከታተልዎ ነበሩ።

ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ካብቲ ዝጓነፎም ተቓውሞ ክድሓኑ ንቦታ ፈስቲቫል ኣብ ማእከል ከተማ ክገብርዎ እዮም ወሲኖም። ይኹን እመበር እዚ ቦታ እዚ ንዕኦም ዘይኮነ ንሰላማዊ ሰልፊ መልቦርን’ዩ ደጊፉ። ብኣሽሓት ዝቑጸር ንሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ወረቓቕቲ ንምዝርጋሕን ምስ ብእሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራልያውያን ንምርኻብን ምቹእ ዕድል ተረኺቡ እዩ። 

ሰላማዊ ሰልፊ መልቦርን ጌና ሎሚ ዕለት 6 ጥሩ 2007 ውን ክቕጽል ኣዩ። ዝርዝር ጸብጻብቱ ከነስዕቦ ኢና

05-01-2007

ካብ ምምሕዳር ሰላማዊ ሰልፊ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3536

Posted by on Jan 5 2007 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net