መጸዋዕታ ንምቁራጽ ዓመጻዊ ጸወታ ስልጣን ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ፖሊስታት ግፍዕታት ህዝቢ ኤርትራ ንከይግንዘብ ንምትላል ዝኣኽል፡ ብሰንኩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከባቢ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሂወቶም ክሓልፍ ከሎ፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ኤርትራዊ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ንምምሳል ብምጽዓር፡ ኣብ ዞባና ኣንጻር ምልካውያን ስርዓታት ዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ሰውራታት ንምዕጋት፡ ብኢንባሲታቱን ገለ መገባርያታቱን ንውድዕነት ኤርትራ ብልክዕ ዘየንብቡ ንጹሃት ዜጋታትን ብምድንጋር ጽዑቕ ኣብ ልዕሊኡ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ተበይኑ ዘሎ ውሳኔ ቁጽሪ 1907 ንምኹናን ሰላማዊ ሰልፍታት ንምግባር ይብገስ ኣሎ።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ህዝብና ነዚ ጸወታ’ዚ ንምቁራጽን ንዕኡ ንምግጣምን ኣንጻሩ ክለዓዓሉን ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ስቕያትን ዜጋታትን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት መደበር ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ መኸራን መንእስያት ኤርትራ ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታትን ንሓፈሻዊ ኣህጉራዊ ራእይ ከንጸባርቕ ይጽውዕ። ከምኡ’ውን ነዚ ግፍዓዊ ስርዓት’ዚ ንምግጣም ኣብ ጎኒ እቶም ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለዉ ሓይልታት ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ተቓውሞን በርጌሳዊ ማሕበራትን ክስለፉ መጸዋዕታና ነቕርብ።

 

ከምኡ’ውን ኩሎም መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ንገድላዊ ንጥፈታት ህዝብና ክድግፉ መጸዋዕታና ብምምሕላፍ፡ ንኣጉራውን ሃገራውን ሰብኣዊ ማሕበራት ንስርዓት ህግደፍን መግበርያታቱን ንምኽባብ፡ ስቕያት ናይቶም ካብ መንጋጋ ግፍዓዊ ስርዓት ኣምሊጦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቕላል፡ ዝሓሸ ውሕስነት ሂወቶም ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ነጊሱ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኤርትራውያን ንጽምእን ምጥሓልን ንኣደዳ ሞት ዝኾኑ ንድሕነቶም ክጽዕሩ ንጽውዕ።

 

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ተዋሳእቲ ኣካላቱን ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓትን መጋባርያታቱን’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ውሳኔ ንምትግባር፡ ከምኡ’ውን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ንስሩዕ ነዚ ውሳኔዚ ክርኢ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ኣስቓቂ ኩነታት ናብ ግምት ከእቱ ንምሕጸን።

 

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

12 ሚያዝያ 2011

     

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4138

Posted by on Apr 13 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net