ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ግ.ሃ.ድ.ኤ ናብ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ሊብያ ዝለኣኾ ናይ ምሕጽንታ መልእኽቲ፡ ኣውንታዊ መልሲ ረኺቡ።

ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ተጋዳላይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ኣሰካፊ ጸጥታዊ ኩነታትን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣንጸላሊዩ ዘሎ ሓደጋታትን ኣመልኪቱ፡ ናብ  ክቡር እቶ ሙስጠፋ ዓብዱልጀሊል ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ሊብያ፡ ብዕለት 11 መጋቢት (March) 2011 ናይ ምሕጽንታ ደብዳቤ ልኢኹ ከም ዝነበረ ነዘኻኽር። መልሲ ናይ’ዚ መልእክቲ’ዚ ድማ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ብዲፕሎማስያዊ መስኖ ኣቢሉ፡ ካብ በንቓዚ ናብ ሓላፊ ወ.ጉ. ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ። እቲ ዝተላእከ መልእኽቲ ከም ዝሕብሮ፡ መራሕቲ ሰውራ ሊብያ ነቲ ብግ.ሃ.ድ.ኤ. ዝቐረበ ምሕጽንታ ብኣውንታዊ መንፈስ ምቕባሎም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኤርትራዉያንን ስለምንታይ ናብ ሊብያ ክስደዱ ከም ዝተገደዱን፡ ኣብ’ታ ሃገር ከመይ ዝኣምሰለ ሽግራት የጓንፎም ምህላዉን፡ እኹል ስእሊ ከም ዘለዎም ምግላጾም’ዩ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ተበጊሶም ድማ፡ ድሕነት ህይወት ኤርትራዉያን ብዝምልከት፡ ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ክብል እቲ ዝበጽሓንና ዜና ኣረጋጊጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ግሃድኤ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ማእከላይ ዕላማኡ ዝገበረ መሪሕ እምንቶ ወትሩ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ድሕነት ህይወት ዜጋታትና ንምውሓስ ዝለዓለ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉን፡ እዚ ጻዕርታት’ዚ ድማ፡ ክሳብ ኣብ ሃገርና መሰረታውን ነባርን ፍታሕ ዝርከብ ብዕቱብነት ክሰርሓሉ ምዃኑን፡ ነዚ ክብል ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ጻዕርታትን ምክትታልን ከካይድ ምዃኑን ደጊሙ ኣፍሊጡ።

 

እዞም ኣስታት 400 ዝኾኑ መንእሰያት ደቂ ሃገር፡ ኣብ ዕሸል ዕድምኦም ናብ መግለጺ ደሊኻ ዘይትረኽበሉን፡ ክሳብ ንሓደጋ ሞት ከይተረፈ ዘሳጥሖምን ዘሎ ሕሱም ኩነታት ምውዳቖም፡ ዘሕዝን ኩነት ሃገርና ኰይኑ ምርካቡ ብሩህ’ዩ። ብፍላይ ድማ፡ ንሊብያ ክኣትዉ ክብሉ ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ኣጻምእን፡ ክንዮው’ዚ ሃገር’ዚ ክሰግሩ ክብሉ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉን ዝሞቱን ዘለዉ ደቂ ሃገር፡ ንመላእ ሃገርን ህዝባን ዝትንክፍን ዘሳቕን ዘሎ ሃገራዊ ሓደጋ (National tragedy) ምዃኑ ኣዚዩ የሕመና፡፡ ግሃድኤ ተኻፋሊ ናይ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ሰሪቡ ዘሎ ከቢድ ሓዘን’ዚ ምዃኑ እናገለጸ፡ ሓላፍነቱ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንዉሉድ ወለዶ ዝሽከሞ ታሪኻዊ ገበን ምዃኑን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተዓዚቡ ፍርዱ ዝህበሉ እዋን እናቐረበ ይመጽእ ምህላዉን፡ ከቶ ክንዝንግዖ የብልናን ይብል። በዚ ኣጋጣሚ ንመወቲ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እናበልና፡ ንስድራ ቤቶም ከኣ ጽንዓትን ጽሮትን ኣኻእሎን ክህቦም፡ ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብና ኰንና ንኣምላኽ ጸሎትና ነቕርብ።

 

እዚ ድሕሪ ምባልና፡ ካብ’ቶም ካብ ሊብያ ሃዲሞም ኣብ ቱኒዝያ ተዓቝቦም ዝረከቡ ዘለዉ ከባቢ 900 ዝኹኑ ኤርትራውያውን ስደተኛታት፡ 230 ዝዀኑ ዜጋታትና ድሮ ሽወደንን ከናዳን ተቐቢሎሞም ምህላዎም፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓንና ዜና ምርግጋጹ ነበስር። ክንዲ ዝዀነ ድማ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ንኩሎም ኣህጉራውያን ትካላትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ጉዱሳት ኤርትራውያን፡ ህይወት ኤርትራውያን ንምድሓን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ከነመጕስ ንፈቱ። 

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

18/04/2011

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4205

Posted by on Apr 19 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net