ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ብሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቶሮንቶ

ሰኑይ 18 ሚያዝያ, 2011 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ኲንስ ፓርክ (ባይቶ መንግስቲ ኦንታርዮ) ዝተኻየድ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ካብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ከምኡውን ካብ ከተማ ኦታዋን ዝመጹ ብዙሓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ  ዝተሳተፍዎ ዓቢ መዓረግ ዝነበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ነይሩ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ጭርሖታት መሳጥን ኣለዓዓልን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዝገልጽ ነበረ። ገለ ካብኡ ንምግላጽ ከኣ፡ “PFDJ Liable for the Death of Eritreans in the Mediterranean”,  “Stop Human Trade”,  “Eritrean’s no to Dictators”,  “እምቢ ንምልኪ፣ ሕራይ ንደሞክራሲ”፣ “ፈርዖን ኤርትራ ይኣክል”፣ “ሃይማኖትና ክብረትና፡ ቅዋምና ሕግና፣ ተጻባኢ መሰልና ጸላኢና!!”  ከምኡውን ብዝተፈላለየ ቛንቛታት ብእንግሊዝኛ፣ ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ ትግረ፣ ሳሆ ዘጠቓላለ ተቓሊሑ።

ከምኡ’ውን ሞት ናይዞም ልዕሊ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ኣገባብ ኣማውትኦም ንኽምርመር ነቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ ተጨውዮም ብጆህ ተታሒዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትና ኤርትራውያን መፍትሒ ንክርከበሎም ህሉዊ ኩነታትን  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ  ዝገልጽ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ዓማጺ ምዝመዛን ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣብ ዲያስፖራ ዝገልጽ ጽሑፍ ናብ ሰበ ስልጣንን ኣባላት ፓርላማን ናይ መንግስቲ ኦንታርዮ፣ ንኣብያተ ጽሕፈት ናይተን ሰለስተ ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምኡውን ንኹለን ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ብመንገዲ ክፍሊ ሜድያ ናይ’ቲ ቤተ መንግስቲ ተዘርጊሑ። ብዘይካ’ዚ እቲ ጽሑፍ በቲ ከባቢ ንዝሓልፉ ዜጋታት ብሰልፈኛታት ተዓዲሉ።

ክቡር ሚኒስተር ዜግነትን ኤምግሬሽንን  ኦንታርዮ ዶር. ኤሪክ ሆስኪን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተላእከሉ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብ፣ ብወከልቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝቐረበሉ ተወሳኺ መብርሂ ብጽሞና ሰሚዑ። ብድሕሪ’ዚ ዶር. ኤሪክ ሆስኪን  ኣብ ቅድሚ ሰልፈኛታት ቀሪቡ፡  ከም ሓኪምን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን  ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ኣብ ኤርትራ ከምዘገልገለን ሓቢሩ። ምእንቲ መሰሉ ዝተቓለሰን ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ ኤርትራ ድልየቱን ትጽቢቱን እዚ ከምዘይነበረ ኣብሪሁ። በዚ ተረኺቡ ዘሎ ህልቂት ኤርትራውያን ድማ ብዙሕ ከምዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣማውታ ናይዞም ንጹሃት ኤርትራውያን ንኽጻረ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ካብ ቤ/ጽ  ኒው ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሚስተር ሳም ፐነ፡ ተለፎን ናብ ወከልቲ ተሳተፍቲ ሰላምዊ ሰልፊ ብምድዋል  ነቲ ኩነታት ኽከታተሎ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ እቲ ሰላማዊ  ሰልፊ  ብግጥምን ብዝኽረ ስውኣትን ሰዓት 12፣00 ብዓወት ተዛዚሙ።

እዚ ዝተኻየድ ሰላማዊ ሰልፊ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ቶሮንቶ ብ 10 ሚያዝያ ቀዳማይ ህዝባዊ ኣኼባ ዝሰዓበ እዩ።  እቲ ኣኼባ ብኣቶ ጀማል ዑመር ሓጅ እድሪስ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ህዝቢ ከተማ  ቶሮንቶ  ብዝኽሪ ስውኣት ተኸፊቱ። ብምቕጻል ኮምሽነር ኣቶ ክብሮም ብርሃነ ህልዊ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ድሕሪ ምግላጹ በዚ ግዳይ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም ዘለዉ 400 ኤርትራውያን ዝተሰምዕና መሪር ሓዘን ገሊጹ። እዚ ንኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ምድረ-በዳታት ሰሃራ ኣብ በረካታት ሲናይ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ከምኡ’ውን ኣብ ፈቆዶ ሃገራት ዘጎንፎም ዘሎ ዓመጽን መቕዘፍትን ሞትን ብቀጥታ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ተርእዮ እዚ ንኸይድገም ኩሉ ኤርትራዊ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።

ብምቕጻል ኣቶ ክብሮም ባዛዕባ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንኣኼበኛታ ኣስፊሑ ብድሕሪ ምግላጹ ካብ ገዛ ንዝቐርቦ ሕቶታት ብግቡእ መሊሱ። ከምኡ’ውን ካብ ገዛ ርእይቶታ ተቐቢሉ።

ብዘይካዚ ኣቶ ረድኢ መሓሪ ካብ ደምበ ኣለና ንህልው ውሽጣዊ ኩነትት ኤርትራ ሰፊሕ መብርህን ትንተናን ድሕር ምሃቡ፣ ድኽመት ናይ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ዘይምትእምማንን ገሊጹ። ንሕቶታት ተሳተፍቲ’ውን ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ።

 

 ን/ሽማግለ ዜና ሽ.ህ.ሃ.ጉ. ከተማ ቶሮንቶ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4326

Posted by on Apr 23 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net