ዝርዝር ዜና ዓወታት ዲምሓኩኤ

Sunday, 14 March 2010

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወትሃደራት ስርዓት ህግደፍ ካብ ዕለት 05-13/03/2010 ጀሚሩ ተኸታተልቲ መጥቓዕቲታት ብምግባር ዓቢ ኪሳራ ኣውሪዱ፡፡ ዝርዝራቱ ከምዚ ይመስል፡-

 

  1. ብዕለት 05/03/2010 ኣብ ዓዲ ጎሎም ወረዳ ደምባላስ ዓሪዱ ንዜጋታት ሓሰረ መኸራ ኣብ ልዕሊ ዘብልዖም ዝነበረ ኣህዱታት ስለያ ክፍለ ሰራዊት 53 ሃንደበታውን በርቃዊ መጥቓዕቲ ብምኽፋት ነቲ ኣሃዱ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝደምሰሶ ተረጋጊጹ፡፡ እዚ ኣሃዱ እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወረዳ ደምበላስ ዓዲ ዋሎ ንሸውዓተ ዜጋታት ዶብ ሰጊርኩም ብዝብል ምስምስ ከም ዝረሸኖም፣ ቀጺሉ ከኣ ብዕለት 23/02/2010 “ሃዲምኩም” ብዝብል ምስምስ ንሰለስተ መናእሰይ ከም ዝረሸነ እውን ዳግማይ ብምርግጋጹ እዚ ስጉምቲ እዚ ተወሲዱ ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ዜጋታቶም ኣሬሜናዊ ስጉምቲታት ኣብ ዝወስዱ ኣሃዱታት ስለያ ተመሳሳሊን ትምህርታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ዲምሓኩኤ የፍልጥ፡፡

 

  1. ሃብቲ መሬት ብሄር ኩናማ ብሒቱ ዝምዝምዝን ልዑኽ ህግደፍ ኮይኑ ዘይተባህለ መደባት ዝፍጽም ካምፓኒ ህንጻ ሰገን-ኣውላ ምስ ሙሉ ንብረቱ ተደምሲሱ፡፡ እዚ ኣብ ቶለ ጋሙጃ ነቂጡ መሬት ብሄር ኩናማ ወሪሱን ገቢቱን ጉልበት ነበርቲ ከባቢ ቶለጋሙጃ ዝምዝምዝ ዝበረ ካምፓኒ እዚ ኣብ ቀንዲ መዓስከሩ ብቦንባን ብቆምቡላታት ላውንቸር ሰለስተ መካይንን ናይ ህንጻ ናውታቱ ደምሲሶም ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ  ከኣ ናብ መረበቶም ብሰላም ተመሊሶም፡፡

 

  1. ኣብ ከተማ ባረንቱ እውን ኣብ ልዕሊ ትካል ናይ ህንጻ ካምፓኒ ሰገን-ኣውላ ብዕለት 07/03/2010 ካብ ሰዓት 1፡00 ክሳብ 1፡20 ናይ ለይቲ ኣብ ተገብረ መጥቓዕቲ ሰለስተ መካይን ተደምሲሶም፣ ሓንቲ መከዚኖ ብሙሉእ ተደምሲሱ፣ ሓንቲ መደቀሲ ተቃጺሉ፣ ኣብታ ቀጽሪ ዝነበሩ ኣብያተ ጽሕፈታት እውን ከም ዝፈርሳ ተገይሩ፡፡ እዚ ብሰለስተ ቆምቡላታት ላውንቸር፣ ብሰለስተ ናይ ኢድ ቡንባን ብክላሺናት ዝተሰነየ መጥቓዕቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኣሚሙ ናይ ደቂ ኣንስቲዮ ብዓል ምድላዋት እንተነበረውን ከም ዝፈሸለን ካብ ገዛውቶም ብሓይሊ እንዳገፈፉ ንከብዕሉ ከም ዝተገበሩን ቁጽርኡ ከኣ ውሑድ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ፡፡

 

  1. ብዕለት 09/03/2010 ኣብ ፈተካት ንኡስ ዞባ ሻምበኮ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ኣባላት ስለያ ክፍለ ሰራዊት 31ን እሙናት ስርዓት ህግደፍ ክደምሰሱ እንከሎው ሓደ ከም ዝቆሰለ ካብ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ዝተረኸበ ዜና ሓቢሩ፡፡ እዚ ብዕለት 08/03/2010 ኣብ ከተማ ሻምበኮ ብደረጃ ዞባ ዝተገብረ ብዓል ደቂ ኣንስቲዮን ሓዲሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ሙሳ ራባዕ ዝተረኸበሉ ኣኼባ ታርጌቱ ዝገበረ ስርሒት እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ዕውት እኳ እንተዘይነበረ ብከፍል ግን እቲ ዝተባህለ መጥቃዕትን ወጽኢቱን ተመዝጊቡ ኣሎ፡፡

 

  1. ብዕለት 13/03/2010 እውን ኣብ ሞርኪቲ (ሙኩቲ) ኣብ ልዕሊ ናይ ስለያ ኣሃዱ መጥቃዕቲ ተገይሩ፡፡ ውጽኢቱ ምስ በጽሓና ክቀርብ እዩ፡፡ ብኣጠቃላሊ ዘረባ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝደልዩዎ ቦታን ግዜን ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ተኽእሎታትን ዓቅምን ከም ዘጥረዩን ድሕሪዚኤን መትቃዕቲታት ናብ መረበቶም ብሰላም ከም ተመልሱ ተረጋጊጹሎ፡፡

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ዲምሓኩኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=506

Posted by on Mar 15 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net