ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ብጨንፈር ህዝባዊ ሽማግለ ከተማ ሳንድየጎ

ኣብ ዕለት 06/19/11 ህዝባዊ ሽማግለ ከተማ ሳንድያጎ ዝዓደመቶ ህዝባዊ ኣኼባ ነቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝወጸ ንድፊ ወራቓቕቲ ናብ ህዝቢ ኣውሪድካ ህዝቢ ክመያየጠሉን ርእይቱኡ ክህበሉን ዝዓለመ ኣኼባ ተኻይዱ፣

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ሽማግለ ሳንድያጎ ኣቶ ተስፋልደት በላይ ነቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘማዕድዎ ዘሎ ምቛም ሃገራዊ ባይቶን መሰጋገሪ መድረኽን ዝመሳሰል ናይ ካሎኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተሞኩሮን መጽናዕትን ኣመልኪቱ ንኣኼበኛታት ዝርዝር መብሪሂ ሂቡ። ብተወሳኺ እውን ኣቶ ክብርኣብ ተኽለጊዮርጊስ ነቶም ኣርባዕተ ንድፊ ወረቓቕቲ ኣመልኪቱ ቀንዲ ትሕዝቶኦምን ዕላማታቶምን ብምትዃር ሓጺር መብርህታት ኣቕረቡ፥ ቀጺሉ እውን እዚ ንድፊ ወራቓቕቲ ህዝቢ ክውስኸሉን ከጉድለሉን ንህዝቢ ዝግደፍ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ ዕድል ንኣኼበኛታት ንሕቶን ርእይቶን ገዛ ተኽፍተ፣

ኣኼበኛታት ዝተፈላለዩ ሕቶን ርእይቶን ብምቕራብ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ዕውት ኮይኑ ንኽወጽእ ዘሎዎም ተስፋን ህርፋንን ገሊጾም፣ ሓደን ካብቶም ዘስመሩሎም ቀንዲ ነጥብታት፡ እዚ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ጉዳይ ሓድነት ሰራዊት ተቓውሞ ሓይልታት ብኡ ኣቢልካ ኸኣ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ክቐውም ተማሕዚኖም፣ ብኣጋጣሚ እውን ኣባል ኮሚሽንን ኣቦ መንበር ኮምሽን ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝኾነ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ተረኺቡ ስለዝነበረ ንኣገደስቲ ሕቶታት ብዘዕግብ ኣገባብ መልሲ ሂቡሎም፣ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ከኣ ኣኼበኛታት ነቲ ኣርባዕተ ንድፊ ወረቓቕቲ ብዝርዝር ኣንቢቦም ክመጹን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ስሩዕ ኣኼባ ጌሩ ክካተዓሎም ተሳማሚዑ ኣኼባ ተዛዘመ።

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ከተማ ሳንድያጎ-ካሊፎርንያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5208

Posted by on Jun 22 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net