ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኣገዳሲ ሓበሬታ

ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀረባ እዋን ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንኤርትራዊ ሓፈሻዊ ራእይ ከም ዘውርድ ይሕብር።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንህዝብና ምውራድ ሰነዳት ዝደንጎየሉ ምክንያት እዚ ዝስዕብ ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ።

ቀዳማይ፡ ምድንጓይ ምውራድ ሰነዳት ፖሎቲካዊ ሽማግለ ዝተሰማምዓሉ ሓደ ክፋል ትልምን መደብን ነበረ።

ካልኣይ፡ ሽማግለታት ኮምሽን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝወድቦ ኣኼባታት ዝሰፍሐ ክፍሊ ሕ/ሰብና ንምስታፍ ንምጥዕዓም ዘኽእል ክኸውን ንምግባር ነይሩ።

እቲ ሰነዳት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብምድላዉ ምናልባት ገለ ንትርጉምን ሰዋሱን ጉድለት ፊደላትን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ትኹረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ስነ-ሓሳብን ትሕዝቶኡን ክኸውን ነተንብህ። ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኣብቲ ሰነዳት ክመጹ ዝኽእሉ ትዕዝብትታት፡ ርእይቶታትን መማረጺ ሓሳባትን ብሰናይ ተቐቢሉ፡ ንምምዕባል ንድፊ ሰነዳት ከም ዝጥቐመሎም የረጋግጽ።

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

29/06/2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5276

Posted by on Jun 30 2011 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net