ተጋዳላይ በሺር ይስሓቅኣብ በርሚንጋሃም ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ተጋዳላይ በሺር ይስሓቅ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ብዕለት 16/07/2011 ኣብ በርሚንጋሃም ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ብመጀመሪያ ብጻይ ጸገዝኣብ የውሃንስ ኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣኼባ ብዝኽሪ ስውኣት ድሕሪ ምኽፋቱ ንጋሻ ከምኡውን ኣኸበኛታት ምስጋና ኣቕሪቡ።

ብጻይ በሺር ይስሓቕ ብወገኑ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ክገልጽ እንከሎ እቲ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኩነታት ደምበ ታቃውሞ ብሓፈሻ ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድማ ብፍላይ ከመይ ከምዝመስል መብርሂ ሂቡ። 

ኣተሓሒዙ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝጋባእ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንምቅልጣፍ ዓቢ ተራ ክጻወት ስለዝኽእል ንምዕዋቱ ናይ ነፍሲወከፍ ሓላፍነት ምዃኑ ድማ  ኣሚቱ።

ኣብ መጨረሽታ ካብ ኣኸበኛታት ዝቐረበሉ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ ደጊሙ ደጋጊሙ ጉባኤ ንምዕዋት ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ዝኽሪ ንስውኣትና

ውድቀት ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ

ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ክፍሊ ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን- ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

18/07/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5384

Posted by on Jul 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net