ኣገባብ ምቕርራብ ሃገራዊ ዋዕላ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

26 መጋቢት 2010

ቀዳማይ ክፋል

ሃገራዊ ዋዕላ ፈላሚ’ምበር፡ መወዳእታ ናይ ኩሉ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ነባርን ግዚያውን ሽግራት ፍታሕ ኣይኮነን። ሃገራዊ ዋዕላ ሓንሳብ ንሓዋሩን ተባሂሉ ዝግበር ጻልጣ ዋዕላ ኣይኮነን። ቀጻልነት ዘለዎ ዋዕላ’ውን እዩ።

ቅድሚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ምእታወይ ግን፡ ብዛዕባ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ቅዋሙን፡ ኣብ’ቲ ዝተሰማማዓሉ ቻርተር ዘስፈሮ ጉዳያት ጠቒሰ ነቲ ገገለ ሓሳባት ከም መወከሲ ክጥቐመሉን፡ መረዳእታ ውዕልን ስምምዕን ከኣ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ነቲ ሰፊሕ ህዝቢ ከቕርበሉ እፈቱ።

ቅዋምን ቻርተርን ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ንዝምልከት እንታይ ይመስል ?

ሃገራዊ ዋዕላ ንመን ?

ሃገራዊ ዋዕላ ምእንቲ መንን ንመንን እዩ ክኻይድ ?

እቲ ብሕጂ ክካየድ ኣብ መስርሕ ዘሎ መደባት ሃገራዊ ስያመ ዝለበሰ ዋዕላ፡ ዋዕላ ኤ.ዲ.ኪ ድዩስ ወይ ሃገራዊ ዋዕላ’ዩ። ነዚ ዋዕላ ኤ.ዲ.ኪን ዋዕላ ሃገርን ብምንታይ ክንፈላልዮ ወይ ከንለልዮ ንኽእል ?

እው፡ ብቀዳምነት ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ እቲ መወከሲ ሰነዳት ክልተኣዊ ሸነኻቱ ማለት ውድባውን ህዝባውን ኣብ ቅዋም ይኹን ኣብ ቻርተር ኪዳን ብኸምይ ተቐሚጡ ኣሎ ምፍላጡ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ቅድሚ ቅዋም ስለ ዝጸደቐ ኣብኡ ብዛዕባ ግደን ተራን ህዝብን ውድባትን እንታይ ይብል ምምልካት ኣገዳሲ እዩ።

ብዘይካ’ቲ ብዙሕ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝረበሉ፡ ኣብ’ቲ ብ 4 መጋቢት 2005 ዝጸደቐ ቻርተር ንሃገራዊ ዋዕላ፡ ብዋዕላ ሃገራዊ ስኒት ተኪኡ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ዓንቐጽ ኣርባዕተ፡  ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል። ” ዋዕላ ሃገራዊ ስኒት፡ ንኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንጽፍሕታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝውክሉ ክፍልታት ዝጥርንፍ’ዩ ይብል። ዓንቐጽ ሓሙሽተ፡ መሰጋገሪ ቻርተር የጽድቕ ይብል።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ምዕራፍን ዝርዝር ዓንቐጻት፡ ኣብ ቀዳማይ ዓንቐጽ ሳልሳይ ምዕራፍ ቻርተር ካብ ምልጋስ ህልው ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ መነገዲ እተመርጸ መንግስቲ ዝቆመሉ ዘሎ ግዜ ዘመልክት’ዩ” ይብል።

ገና ኣብ 4 መጋቢት 2005 ዝጸደቐ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ካልኣይ ዓንቐጽ፡ ዕላማታት ቁጽሪ 2 ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፡ ” ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ምልጋስ፡ ኣብ ክንድኡ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝመሰረቱ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምቋም ፖለቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ”። ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። እዚ ጸኒሐ ከልዕሎ ዝደሊ ጉዳይ’ዩ፡ ልቢ ግበርሉ።

ኣብ’ቲ ኣብ 11 ግንቦት 2008 ዝተኻየደ ኣኼባ ኢ.ዲ.ኪ፡ ኣብ ዘደቆ ቻርተር ሃገራዊ ዋዕላ ኣየስፈሮን። ነዚ ብዝምልከት ድሕሪ ምርድዳእን ኣብ ውሳኔ ብምጻሕ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ተተግቢሩስ ኣብ ናይ መወድእታ ምዕባለ ሃገራዊ ዋዕላ ክርከብ ብዝኽእል ውጽኢት ተምሳል ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ካልኣይ ዓንቐጽ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይኮነስ ጉባኤ ሃገራዊ ስኒት ብዝብል ዝተተከአ፡ መዕስን ብኸመይ ክሳብ’ቲ መድረኽ ይበጽሕ መገልጺ ዘይብሉ ብሓፈሽኡ ዘቐመጠ’ዩ።

ኣብ 11 ግንቦት 2008 ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ውሳኔ ኤ.ዲ.ኪ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል……

ኣብ ቁጽሪ 4 ኣብ ሃገርና ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ፡ ጥሙር ኣሰራርሓ ኩሎም ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቃወሙ ሓይልታት ዘሎ ዕዙዝ ተደላይነ ብምግንዛብ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰፊሕ ዋዕላ ንምክያድ ዘድሊ ምቹእ ሃዋሁ ከጣጥሕ ጉባኤ ወሲኑ ይብል።

ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ቅድመ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓደ ሓደ ሓባርዊ ስምምዓት ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት ተበጺሑ ምህላውን’ዩ። እቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት ዝተበጽሐ ስምምዕ ከኣ ንኩሎም ሓይልታት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝቃለሱ ዝብል ካብ ኮነ፡

ሀ/ ንካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታትን

ለ/ ሲቪካውያን ማሕበራትን

ብዓብዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ጸብጻብ ዝኣተወ ምዃኑ ንኩሉ ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ቻርተር ዘሎ ስምምዓትን ውዕላትን፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን፡ ብኣውራ ከኣ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቅዋም ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ናይ ህልው ተቃውሞ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ገዛኢ ሕጊ ምዃኑ’ዩ።

እምበኣር ኣብ’ቲ ቅድም ክብል ዘልዕልክዎ ሕቶታት ክምለስ፡

1. ቅዋምን ቻርተርን ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ንዝምልከት እንታይ ይመስል ?

2. ሃገራዊ ዋዕላ ንመን ?

3. ሃገራዊ ዋዕላ ምእንቲ መንን ንመንን እዩ ክኻይድ ?

ብሕጽር ዝበለ መልሲ ንምቕራብ፡

  1. ናይ ሎሚ ሃገራዊ ዋዕላ ብመንጽር ቅዋምን ቻርተርን ኪዳን 4 መጋቢት 2005, 11 ግንቦት 2008 ዘይመሳሰል’ዩ።
  2. ዋዕላ ነቶም ንዋዕላ ክገብሩ ዝተሳማምዑ ኣካላታ ጥራሕ ምዃኑ።
  3. ሃገራዊ ዋዕላ ምእንቲ መንን ንመንን ሕጂ ክንምልሳ ዘሎና’ዩ።

ሓደ ንዚ ጉዳይ ንዝምልከት ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ንኣቦ/መ ፈጻሚት ኣካል ኤ.ዲ.ኪ ዘቕረቦ ሕቶ ዝመሳሰል’ዩ። እዚ ማለት ከኣ ሃገራዊ ዋዕላ ምእንቲ መን እቶም ኣዳለውቱ ክምልስዎ ዘለዎም’ዩ።

ውልቃዊ ርእይቶይን ትዕዝብቲታትይን፡

ብቀዳምነት መሪሕነት፡ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ግዜ ሂቡ፡ ምስ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ ዝተመያየጠን ዝተዛረበን ኣይመስልን፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ከም ዝተዛረበ ከምስሎ እንተደለየው’ን፡ ምስኡ ኣብ ውዱእ ዋዕላ ስምምዕ ዘይበጽሑ ኣካላት ምህላዎም ንሱ ዝፈልጦምን ንሕና ንፈልጦም ኣለዉ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ናይ ፓልቶክ ምሸት ትዕዝብታቶም ካብ ዘስፈሩ ብጻይ መንግስትኣብ ኣስመሮም፡ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካልኦት’ውን ብጽሑፍ ክሳብ ሕጂ ዘየስፈሩ ኣለዉ።

ሎሚ’ውን ኣነ ብግደይ ነዚ ናይ’ዞም ክልተ ባእታታት ብምድጋን ግን ኣብ ካልእ መዳይ ነዚ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክዛረበሉ እፈቱ።

ቻርተር፡ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ክንደይ ናይ ድኻምን ጻዕርን፡ ግዜን ዋጋ ዝተኸፍሎ፡ ናይ ነባራትን ምኩራትን ተጋደልቲ ዝተወሰኾ ጽማቝ ሰነድና’ዩ። እንተዀነ እዚ ሰነድ’ዚ ኣብ ውሽጡ ሓቝፍዎ ዘሎ መሰል ዜጋታት ኤርትራ፡ መሰል ተቃወምቲ ሓይልታት ኣባላት ኣብ ኤ.ዲ.ኪ ብቅኑዕን ብግቡእ ኣብ ተግባር ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተፈጸመ ኣይመስልን። ኣይተፈጸመን ከኣ።

ኤ.ዲ.ኪ ኣብ’ዚ ንርከበሉ ዘሎና፡ ብዝለዓለ ናይ ኣባላት ኪዳን ዝዀኑ ተቃወምቲ ውድባትን ኣባላቱን ዝመርሕ ዘሎ ጽላል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ከም ጽላል ተቃወምቲ ሓይልታት፡ ነቲ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪል ማሕበራትን ተራ ውልቀ ሰባትን ተወካሊ’ውን’ዩ።

መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ሰፊሕ መሰረታቱ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ከም ጎረበባቲ ኣገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምስራቕን፡ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራሊያን ሰሜን ኣሜሪካን ከኣ ብኣጉራዊ ድረጃ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ እዩ።

ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካብ ኮኑ፡ ብኤ.ዲ.ኪ ይኹን ብቦታዊ ተብግሶታት ጨንፈር ኤ.ዲ.ኪ ዝቆመ ክህሉ ናይ ግድን’ዩ። ኣሎ ከኣ። እሞ ከብ ሃለወ እዞ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጨንፈራት ኤ.ዲ.ኪ ብዛዕባ እዚ ጉያ ሃገራዊ ዋዕላ ዘለዎም ኣፍልጦ ብስነድ እንታይ’ዩ። ንድፊ ሃገራዊ ዋዕላ ቀሪብሎ’ዶ ? ባዕሎ ንድፊ ኣቕሪቦም ዶ ? እቶም ሲቪል ማሕበራት ብምትእስሳር’ዞም ጨንፈራት ኤ.ዲ.ኪ ዝበጽሕዎ ጉዳይ ኣሎ ዶ? ዝሰደድዎም ወከልቲ ኣለዉ ዶ ? ዘቕረብዎ ወይ ዝቐረበሎም ንድፊ ሃገራዊ ዋዕላ ተመያይጦም ንላዕለዎ ሓለፍቲ ኪዳን ኣቕሪቦም ዶ ?

ይቕጽል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=561

Posted by on Mar 27 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net