ኣገዳሲ ሓበሬታ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ

ኪዳን ናብ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ደብዳብ ብምጽሓፍ ዕለተ ጉባኤ ካብቲ ተመዲብሉ ዝጸንሐ ዕለት ብሓደ ወርሒ ይናውሓልና ዝብል ደብዳበ ከም ዘቅረበ ሓበሬታ ስለዝረኸብና፡ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ንኮሚሽነርን ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ብስልኪ ሕቶታትና ኣቅሪብናሉ። ጽሟቅ ዝረኸብናዮ መልስታት ድማ እንሆ ይቀርብ።

ኪዳን ዕለተ-ጉባኤ ብሓደ ወርሒ ይናዋሕ ዝብል ደብዳበ ናብ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሰዲዱ እዩ። እንተኾነ ዕላማ ናይዚ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ንምንታይ ዝዓለመ ምኻኑ ክርድኣኒ ኣይክኣለን። ትሕዝቶ ደብዳበ ምስቲ ኣቀዲሙ ዝተመደበ መደብ ስራሓት ይኹን ዝተወሰን ውሳነታት እሞኸኣ ጉባኤ ንምክያድ ሰለስተ ሳምንታት ኣብዝተረፈና እዋን ናብ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ከምዚ ዓይነት ደብዳበ ምልኣኽ ንሃገራዊ ጉባኤ ብዝምልከት ዝተመደበ ውሳነታት ዝጻረር እዩ። ጠለብ ናይዚ ደብዳበ ብመንጽር እቲ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ሃገራዊ ጉባኤ ብሰለስተ ነጥብታት ዓንቃፊ ኮይኑ ድማ ንረኽቦ።

 

ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዝፈጥረሎም ጸግማት

ኣዝዮም ብርክት ዝበሎ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ስለ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ከነካይድ ኣብ ምውዳብ ኣኽባታት፣ ምውህሃድ ስራሓት ኮታ ኩሉ ዝጥለብ ስርሓት ብምዕማም ኣብ መወዳእታ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ወከልቶም መሪጾም። እዞም ህዝቢ ወኪሎም ናብ ጉባኤ ክሳተፉ ዝተመዘዙ ዜጋታት ድማ፡ ካብ ስርሖም ናይ ዕረፍቲ ፍቃድ ብምውሳድ፣ ትኬት ነፋሪት ኣብ ምቁራጽ ቪዛ ኣብ ምሕታት ይኹን ኩሉ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ዝሓቶም ተወፋይነት ብምስካም ናብ ጉባኤ ኣብ ዝሸባሸብሉ እዋን፡ ዕለተ-ጉባኤ ይናውሓልና ምባል እዞም ዜጋታት ዝቆረጽዎ ትኬታ ሓሪሩ ይትረፍ ከምኡ ድማ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስታፍ ዝገበርዎ ጻዕርታት ከንቱ ይኹን ኣብ መወዳእታ ድማ ከይተሳተፉ ይትረፉ ዘስምዕ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ሃገራዊ ጉባኤ ከምዘይዕወት ይገብሮ። እዚ ዝፍጠር ዘሎ ዕንቅፋት ድኣ ንረብሓ መን!?

 

ንሕጋዊ ሸነኻት ዝምልከት

ሃገራዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታን ዕለትን ብሃገራዊ ዋዕላ ዝተወሰነ ስለዝኾነ ብዝኾነ ምኽንያት ክቅየር ኣይክእልን እዩ። ብተወሳኺ ምሉእ ኮሚሽን ኣብ መጋቢት ኣብ ዝትኣከበሉ እዋን፡ ዕለተ-ጉባኤ ኣብ 22 ኦክቶበር 2011 ክኸውን ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ። ነዞም ሕጋውያን ውሳነታት ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ይኹን ፈጻሚ ሽማግለ ክቅይርዎ ኣይክእሉን እዮም።

 

 

ሚዛናዊ ውክልና ብዝምልከት

ጠለባት ኪዳን ንምርጻታትን ብጽሒታት ስልጣኖም ብዝምልከት እንተኾይኑ ከምቲ ኣብ ሰነድና ”መርሃ-ገበይ” ብንጹር ዘስፈርናዮ፡ ኣብቲ ጉባኤ መራጺ ኣካል (electoral body) ክህሉ ግድን ይኸውን። ነዚ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ሚዛን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብኩሉ ፍሉይነታቱ ከምኡ’ውን ሚዛን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ክመጣጠን ስለዝኽእል፡ ብዛዕባ ብጽሒታት ስልጣን ክንሰግእ ኣይግባእን። ብሓጺሩ እቲ መራጺ ኣካል ዝብል መካኒዝም ንኹሉ ጠለባት ከመዛዝን ስለዝኽእል። ብዝተረፈ ኣብ ኣፍ ደገ ጉባኤ ምስ በጻሕና ሓደስቲ ጠለባት ምቅራብ ንጉባኤ ምዕንቃፍ ምኻኑ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋኡ ተረዲኡ ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።

 

 

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ህዝቢ ኤርትራ ድምጽኻ ሕጂ ኣስምዕ !!!

 

4-11-2011

ኤዲቶርያል ቦርድ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5871

Posted by on Oct 5 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ኣገዳሲ ሓበሬታ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ”

  1. resoum

    At the start of Eritrean National Congress in October 2011 , the leaders of the EDA, EPDP[Tewelde Gebresslasie , Beshir Ishtaq, Heruy T. Bairou’s, Yemane (Hanjema), Abdella Adem, Woldeyesus Ammar, Mesfin Hagos, Hamed Drar, Hussein Kelifay,etc ] shouldn’t be elected to any posts. The Eritrean people should learn from their past naivety in trusting former revolutionary leaders and their collaborators who are currently the leaders of the EDA and EPDP. These leaders of the oppostion have contributed considerable to prolonging the suffering of the Eritrean people for the last 20 years as a consequence of their narrow power struggle. [Read more]. The narrow power struggle and disunity of the oppostion leaders has created significant opportunities for this autocratic regime to repress brutally the Eritrean people for decades.

    [ዝኸበርኩም ኣብላት ጨነፍራት ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ጉባኤ ምእንቲ ክዕወት እዚ ዝካየድ ምርጫ ንተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤዝምረጹ ናጻ ካብ ውድባትኮይኖምኢሙናትንቡሰላትንዓቅሚደሎዎምን ካብ ህዝቢ ክኾኑ ኣሎዎም ኣብ በይ ኤርያ [Read more].
    http://www.ehrea.org/19591.php
    http://www.ehrea.org/20112.php

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net