ኤርትራውያን ተቐማጦ ሚድላንድ (ዓባይ ብሪጣንያ) ንጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቶም መሪጾም

ወኪል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ዳንኤል ወልደትንሳኤ ዝመረሖን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግሌ ጨንፈር ሚድላን ዘማእከልዎ ኣብ በርሚንጋሃም ብዕለት 15.10.2011 ኣኼባ ኣካይዶም። ብመጀመሪያ ሕጋውነት ኣኼባ ንምምላእ እቲ ቁጽሪ እኹል ሙኻኑ፡ ማለት 36 ካብ 49 ዝተመዝገቡ ኣባላት ኣብቲ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፎም ሕጋውነት ኣኼባ ምስ ኣረጋገጹ ብናይ ሓባር ውሳኔ ድማ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ መደባት ተሰማሚዖም፦

  1. እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ተሓጋጋዚት ሽማግሌ ዝተፈጸመ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ተግባራት ውዱቕ ንምግባር፡

 

  1. ንዞባ ማእከል ሚድላንድ) ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣባላት ንምምራጽ።

 

እቲ ዘይሕጋዊ መጸዋዕታ ናይ ዕለት 01.10.2011ን 08.10.2011 ብዘይ ኣፍልጦ ተሓጋጋዚት ሽማግሌ ዝተገብረ መጸዋዕታ ብምንባሩ እቶም ኣኼበኛታት ብሙሉእ ድምጺ ውዱቕ ድሕሪ ምግባር ሙልእ ሕግን ግሉጽነትን ዘማለኤ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክልተ ሰባት መሪጸም። ንሳቶም ድማ፦

  1. ስዒድ ዓብደልሃዲ ጀውሃር        2.  መንእሰይ ኢሳቕ ክፍለ ማርያምን እዮም

ከምኡውን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣባ ሃብተማርያም ከምኡውን ሸኽ ማሓመድ ጁምዓ ንሚድላንድ ወኪሎም ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ንኽሳተፉ መታን ዕድል ክዋሃቦም ኣኼበኛታት ለበዋታቶም ኣማሓላሊፎም።  ኣብ መጨረሽታ፡ እቲ ኣኼባ ቅጥዕታተ ናየ ኮሚሽን ዘማለኤ ምሉእ ዶሞክራሲያዊ ሓዘል ኣኼባ ብምንባሩ ኮሚሽነር ዳኒኤል ወልደትንሳኤ ደገፉ ገሊጹ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!

 

ተሓጋጋዚት ሽማግሌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን (ሚድላንድ)

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

17 ጥቅምቲ 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6045

Posted by on Oct 23 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net