ኤርትራውያን ተቐማጦ ርያድ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቶም መሪጾም

ኣብ ዕለት 21/10/2011 ኣብ ዝተገብረ ናይ መረጻ ኣኼባ ፡ መሳተፊ ጉቡኦም ዘማልኡ ፡ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ሲቪላውያንን ፡  ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባትን ፡ ብእዋኑ ናብ’ቲ መረጻ ክካየደሉ ዝተመደበ ቦታ ድሕሪ ምብጻሕ ፡ ብተቐበልቲ ኣጋይሽ ምውቕ ናይ ምቕባል ስነስርዓት ተገብረሎም ።  ሲዒቡ  ተሳተፍቲ  ናብ’ቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ብምእታው ቦታኦም ድሕሪ ምሓዝ ፡ እቲ መደብ ስጋብ ዝጅምር ነሓድሕዶም ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ዘለዎም ተስፋታትን ፡ ትምኒታትትን ከዕልሉ እንከለዉ ፡ ፍስሃን ታሕጓስን ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ይንበብ ነበረ ። ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዝፈለመ ርሑስ ምሸት : አብ ምፍላም ናይ’ቲ መደብ ብ አቕራቢ መደብ  ትሕዝቶ  መደባት ናይ’ቲ ምሸት ምስ ተገልጸ ፡ ስዒቡ አቦመንበር ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ  ጨንፈር ርያድ  መደረ አስመዔ ፡ ንሱ አብ መደረኡ አብ መጀመርያ ንሓለፍቲ ኤ/ሃ/ኮ/ደ/ለ ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕ አቶ ዓብደላ ሓዞትን  ተሓጋጋዚኡ አቶ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስን ፡ ስለ’ቲ ጻዕሮም ድሕሪ ምምስጋን ንተሳተፍቲ እንኩዕ ደሓን መጻእኩም ኢሉ ።  አስዒቡ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ጨንፈር ርያድ ንዝሓለፈቶም መድረኻት ብዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ  ክህብ እንከሎ ፡ ብዝሒ ናይቶም አብ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዝተመዝገቡ 620 ኮይኑ ካብኦም መሳተፊ ገንዘብ ብምኽፋል ጉቡኦም  ዘማልኡ ድማ 275 ምዃኖም ገሊጹ ።

ቀጺሉ  ብወገን ተሳተፍቲ ፡ ነቲ መረጻ ዘካይዱ ካብ ካብ ሞንጎኦም 5 ሰባት ድሕሪ ምምራጽ ምስቶም አቐድሞም ተመሪጾም ዝጸንሑ ሓደ ካብ ኪዳንን ሓደ ካብ ተሓጋጋዚት ሽማግለን ምስ ተጸንበሩዎም ብድምር 7 ዝአባላታ ተቖጻጻሪት ሽማግለ አቖሙ ።  ቐጺሉ እታ ነቲ መረጻ ንኸተካይዶ  ዝተመርጸት  ተቖጻጻሪት ሽማግለ  ስርሓ ንኽትጅምር አድላይ መምርሒ ምስ ተወሃባ እቲ መረጻ ተጀመረ ። አብ መጀመርያ ነቶም ነብሶም ዝመርጹ ዕድል ተወሃበ፡ ቐጺሉ ኸአ እቶም ንኻልእ ሰብ ክመርጹ ዝደልዩ ይውክሉና ዝብሉዎም ሰባት ምስ መረጹ ብድምር  13 ሰባት አብ ናይ ምርጫ ሰለዳ ተመዝገቡ ፡ ካብኦም 2 ሰባት ምስ አንሰሓቡ ፡ ንዝተረፉ 11 ሕጹያት ነጻን ደሞክራስያዊን  ናይ መረጻ መስርሕ ተገብረሎም ፡ አብ መወዳእታ እቲ ካብ ህዝቢ ዝተአከበ ድምጺ አብ ቕድሚ  ህዝቢ ብዕሊ ድሕሪ ምቑጻር ፡ ብመሰረት ቆጸራ ካብ ቐዳማይ ስጋብ ራብዓይ ንዝወጹ  ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ንኽሳተፉ  ምምራጾም ብምብሳር ፡ ነቶም ካብ ሓምሻይ ስጋብ ሻምናይ ንዝወጹ ድማ  ከም ኢሕቲያጥ ኮይኖም ክጸንሑ ዝሕብር ፡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ምርጫ  ብተቖጻጻሪት ሽማግለ ተሓበረ ።  ብኸምዚ አገባብ  ዘምሰየ 200 ሰባት ዝተሳተፍዎ ርሑስ  ምሸት አብ ምወዳእታ ወኪል ኤ/ሃ/ኮ/ደ/ለ አብ ማእከላይ ምብራቕ  አቶ ዓብደላ ሓዞት ነቲ ናይ መረጻ አገባብ አመልኪቱ ቓሉ ከስምዕ ዕድል አብ ዝተወሃበሉ ፡ ንተሓጋጋዚት ሽማግለ ስለ’ቲ  ጻዕሮምን ጽፉፍ  ስርሖም  ብምሙጓስ ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ርያድ ናብዚ ደሞክራስያዊ መረጻ ንኽበጽሑ ብምግባሮም  አመስጊኑ ።  ህዝቢ ብወገኑ  ለበዋኡ ክህብ ዕድል አብ ዝተኸፈተሉ ግዜ  ፡ ጽቡቕ ምሸት ብምምሳዮም ታሕጓሶም ብምግላጽ ፡ ንምሩጻት ድማ  ነቲ ድምጹ ከስምዕሉ ዝወከሎም  ህዝቢ ድምጹ ከስምዕሉን ፡ ማዕረ ድሌት ህዝቢ ብምዃን ንሃይማኖታዊን  ቀቢላዊን  ጎድኒታት  ንጎኒ ብምግባር ፡ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራውያን ዘደልድል ሓሳባት ብምሃብ ንሃገራዊ ዋዕላ ከዔውቱ ተላብዮም።

እቲ አኼባ ሰዓት 7፡ 45 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ፡ አብ 12፡ 30  ለይቲ ተዛዚሙ ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ክብሪን ዝኽሪን ንስውአትና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ልውጢ ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕ

21/10/2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6060

Posted by on Oct 25 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net