መግለጺ ሓዘን መስዋእቲ ክቡር ሃገራዊ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ

ክቡር ሃገራዊ ሓርብኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ኣብ መበል 92 ዓመቱ ትማሊ ዓርቢ 21 ጥቕምቲ 2011 ኣብ ከተማ ዓሰብ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ኣሎ።

ሃገራዊ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ካብ ዕድመ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንመሰል ርእሰ ወሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርብዓታት ኣብ ክሊ ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ክቡራን ሃገራውያን ሓርበኛታት ብጾቱ ጠጠው ብምባል ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ  ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባርን ዞባዊ ረብሓታት ንምርግጋጽን ዘግብር ዘነበረ ዞባውን ኣህገራውን ወዲታት ብትብዓት እናመከተ ሉሉይ ሃገራዊ ተራኡ ዝተጻወተ ጅግና ኤርትራዊ ሓርበኛ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሓምሳታት ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ ይኹን ብድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን እውን ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቕስቃስ ጠጠው ብምባል ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ቃልስታቱ ዝቕጸለ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ።  

ብድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግብር ዘነበረን ዘሎን ኢ- ስብኣዊ ተግባራቱን ኣዕናዊ ፖለሲታቱን ብዘይምቅባሉ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዝያት ኣደዳ መእሰርቲ ከኽውን ጸኒሑ’ዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብመስዋእቲ ጅግና ሃገራዊ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር ኣኪቶ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንቤተሰቡን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

22 ጥቕምቲ 2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6055

Posted by on Oct 25 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net