“ኣብ ማሕዩር ናይጀርያ ዝጸንሑ መንእሰያት ኣዲስ ኣበባ በጺሖም”

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንስደት ንኸምርሑ ዝተገደዱ ኣርባዕተ መንእያት ኣብ ናይጀርያ ንኣዋርሕ ተሓይሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብሓሙስ 08/12/2011 ኣዲስ ኣበባ በጺሖም።

  • ዩሱፍ መሓመድ ሰዒድ
  • ሄኖክ ኪዳነ ወልደገርጊስ
  • ሳልም ዓብዱ ኣሕመድ
  • ተስፋኣለም ተኸስተ ወልዳይ

ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዝርከቡ መንእሰያት ሰበ-ስልጣን ናይጀርያ ብመንገዲ ሱዳን ኣቢሎም ንኤርትራ ንኸባርርዎም ኣብ ዝማትኡሉ ዝነበሩ እዋን ጉዳዮም ንመሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብቤተሰቦም ድሕሪ ምሕባር ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ኢንጅነር ኑር መሓመድ ኢድሪስ ብምትሕብባር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካብ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶም ግፍዒ ንምድሓን ንኣዲስ ኣበባ ንኽኣትዉ ተገይሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዞም መንእሰያት ካብ ገሃነም ህግደፍ ንምድሓን ብዝገበርዎ ዓቢ ምትሕብባር እናመስገነ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ጉዳዮም ንምስላጥ ብዝገበርዎ ምትሕግጋዝ ተመሳሳሊ ምስጋና የቕርብ፡፡

ኣብዚ ዓሲብ እዋን’ዚ ብመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ደገፋት ብቀሊል ዝግመት ከምዘይኮነ ኣይሳሓትን።

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

11-12-2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6377

Posted by on Dec 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net