ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መስራቲ ኣኼባኡ ካብ 06 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2011 ኣብ ዘሎ ጊዜ ብምክያድ ሃገራዊ ጉባኤን ባይቶን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሕሉ ጉዳያት ንምፍጻም ሓላፍነት ብምውሳድ ንዓኡ ዝምልከት ኣጀንዳታት ብምስራዕ ንቁሕን ሓላፍነታውን ክትዓት ኣካይዱ። መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ምስ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ኮይኖም ንገለ ጉዳያት ክርእይዎ ባይቶ ብዝሃቦም ውክልና መሰረት ኣብ ገለ ክፋል ኣኼባታት’ውን ተሳቲፉ’ዩ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብዞም ኣገደስቲ ጉዳያት ትኩረት ብምሃብ ዘትዩ ነዞም ዝስዕቡ  ውሳኔታትን ስጉምትታትን ወሲዱ፡

  1. መምርሒታት መጻኢ ትልሚ ዕዮ ሃገራዊ ባይቶ።
  2. ምስራዕ ውሽጣዊ መምርሕን ቅርጻ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን።
  3. ውሳኔታትን ለበዋታትን ሃገራዊ ባይቶ።
  4. ምውዳብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምምሕዳራዊ ቅርጻ።

 

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13/12/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6379

Posted by on Dec 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net