News

ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መስራቲ ኣኼባኡ ካብ 06 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2011 ኣብ ዘሎ ጊዜ ብምክያድ ሃገራዊ ጉባኤን ባይቶን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሕሉ ጉዳያት ንምፍጻም ሓላፍነት ብምውሳድ ንዓኡ ዝምልከት ኣጀንዳታት ብምስራዕ ንቁሕን ሓላፍነታውን ክትዓት ኣካይዱ። መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ምስ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ኮይኖም ንገለ ጉዳያት ክርእይዎ ባይቶ ብዝሃቦም ውክልና መሰረት ኣብ ገለ ክፋል ኣኼባታት’ውን ተሳቲፉ’ዩ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብዞም ኣገደስቲ ጉዳያት ትኩረት ብምሃብ ዘትዩ ነዞም ዝስዕቡ  ውሳኔታትን ስጉምትታትን ወሲዱ፡

  1. መምርሒታት መጻኢ ትልሚ ዕዮ ሃገራዊ ባይቶ።
  2. ምስራዕ ውሽጣዊ መምርሕን ቅርጻ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን።
  3. ውሳኔታትን ለበዋታትን ሃገራዊ ባይቶ።
  4. ምውዳብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምምሕዳራዊ ቅርጻ።

 

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13/12/2011

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top