ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ “ ንሕና ንህዝቢ በስገዳድ ክፈል አይበልናዮን ” ይብል

ስርዓት ህግደፍ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተኸተሎ ናይ ተጋጊኻ ኣጋጊ ፖሊሲኡ  ፡  ኣብ ዕለት 16/12/2011 ኣብ ርያድ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣኼባ ኣካይዱ ። እቲ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ዝተገብረ ኣኼባ ቕድሚ ምክያዱ ኣቐዲሙ ብቕንያቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማሕበረኮም ንዝመሃሩ ተመሃሮ ከይተረፈ ወለዶም ናብ’ቲ ኣኼባ ንኽመጹ ግዴታ ምኳኑ ክሕብርን ከፈራርሕን ከምዝቐነየ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተወሰነ እገዳ አብ ህዝቢ ጌጋ አረአእያ ፈጢሩ አብ ጉኑ ከምዝስለፉ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ ።  ኮይኑ ግን ክሰምረሉ አይከአለ ብአንጻሩ እኳ ደአ ካብ ህዝቢ ዘዋጥሩ ሕቶታት ንአምበሳደር አብ ዝቐረበሉ እዋን ፡ ክሕስውን ጥውይዋይ መልሲ ክህብን እዩ ተራእዩ ። ገለ ካብ’ቲ ሓሶታቱ ንክልተ ካብ ሚእቲ ብዝምልከት ከምዚ ክብል ተሰሚዑ “ ንሕና ንህዝቢ 2 % ንክኸፍል አየገደድናዮን ፡ ህዝቢ ባዕሉ ብድልየቱን ተገዳስነቱን ኢዩ ዝኸፍል ዘሎ ፡ ንመጻኢ ውን ነዚ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ብምቅዋም እቲ 2 % ምኽፋል ክቕጽሎ ኢዩ ” ኢሉ ።

ገለ ካብ’ቲ ብተሳተፍቲ  ን አምበሳደር ዝቐረበ ሕቶ ክቡር አምበሳደር አብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰና እገዳ በዲህናዮ ኢና ፡ አብቂዑ እዩ ኢልኩምና ኔርኩም ።፡ እንድሕር አብቂዑ ኮይኑ ደአ ነየናይ እጋዳ ኢኹም ኪንብድሆ ኢና ትብሉ ዘለኹም ”  ክብል አዋጠሮ ። ወዮ አምበሳደር ከይሓፈረ “ አመሪካ እያ እዚ ኹሉ ትገብር ዘላ ”  ኢሉ ክምልስ እንከሎ  ፡ ሓደ ካብ አኼበኛታት ትስእ ኢሉ “ መበገሲ ሰበብ ናይዚ ኹሉ መን እዩ አመሪካ  ወላስ ንስኹም ”  ክብል ከቢድ ሕቶ ሓተቶ ፡ አምበሳደር ሆየ ደረጃ አተሓሳስባ ናይ  ህዝቢ አብ ግምት ዘየእተወ ድሑር አተሓሳስባ ዝሰረቱ መልሲ “ አመሪካ ካብ ቅድም አትሒዛ ናጽነትና አይትደልይን እያ ነይራ ፡ ሕጂ ወን እንተኾነ አብ ክንዲ ኢትዪጵያ ኮይና ባሕርና ንምግባት ትጻባአና አላ ” ክብል መልሲ ምስ ሃበ ፡ አብ መንጎ አኼበኛታት  “ ማዕረ ክንድ’ዚ ድዩ አትሒቱ አብ ከባቢና እንታይ ይግበር ከምዘሎ ዘይንፈልጥ ገይሩ ወሲዱና ” ዝብል ትሒምታ ይስማዕ ነበረ ።

አስዒቡ ምንጭና ከምዝሓበሮ ፡  ሓደ አኼበኛ  ብዛዕባ እቶም አብ አዲስ አበባ ተአኪቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ምስ ሓተቶ ፡ አምበሳደር ዝሃቦ መልሲ “ እዚኦም ንከታተሎም አለና ሓንቲ ክገብሩ አይክእሉን እዮም ፡ ክንብድሆም ኢና ”  ክብል መልሲ ሃበ  ። አብ’ዚ ዘረባ’ዚ ሓዲሽ ነገር እንተነይሩ ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሓለፍቲ ህግደፍ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ቃላት ምውጹኡ እዩ ፡ ንሱ ኸአ እቲ ቀደም ብሓለፍቲ ህግደፍ ተቓወምቲ ዝበሃሉ የለዉን ዝበሃል ዝነበረ ዘረባ ፡ ሎሚ ምህላዎም አሚኑ ክብድሆም ይዳሎ ከምዘሎ ምሕባሩ እዩ ። እዚ ውን ተቓወምቲ ኤርትራ አብ ልዕሊ ህግደፍ ማዕረ ክንደይ ጽልዋ አሕዲሮም ከምዘለዉ ዘተንብህ ምዃኑ እዩ ።

አብ’ቲ አኼባ ካብ ዝተሳተፉ ቁሩብ ቁራቦ አኼበኛታት ፡ ወላኳ ማብዛሕትኦ ህግደፋውያን እንተነበሩ ዳርጋ  ኩሎም በቲ ብሓሶትን ጌጋን ዝመልኤ ዘረባ አምበሳደር አይዓገቡን አይተሓጎሱን ።

ከምዝፍለጥ አብ ርያድ ሱዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፡ ኤምባሲ ኤርትራ አገዲዱ 2% የኽፍሎምን ፡  2% እንተዘይከፊልኩም  ንኤርትራ አይትኸዱን ኢኹም ፡ ፓስፖርት አይሕደሰልኩምን እዩ ፡ ውክልና አይትገብሩን ኢኹም  ወዘተ….. እናበለ ካብ ዝተፈላለየ ናይ ኤምባሲ አገልግሎት ይሕርሞም አሎ  ። ብሰንኪ’ዚ ውን ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ስርሖም ተመዛቢሎም አሻቓሊ ናብራ የሕልፉ ከምዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ።

ክፍሊ ዜና

18/12/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6391

Posted by on Dec 24 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net