News

ዜና አኼባ ሓባራዊ ወታሃደራዊ መሪሕነት

አብ መዛዘሚ ወርሒ ጥሪ 2012ዓ.ም ሓባራዊ ወታሃደራዊ መሪሕነት አኼባ አካይዱ ንኤርትራ አንጸላሊይዋ ዝርከብ ህልዉ ጸጥታውን ወታሃደራዊን አልዒሉ ድሕሪ ምዝታይ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ጭቖናን ገበንን ብዑቱብ ሪኡ፡ ውጽኢታዊን ሃናጽን ብዝኾነ መንገዲ ድሕሪ ምክታዕ ሓባራዊ ወታሃደራዊ መሪሕነት ንናይ ሓባር ወታሃደራዊ ስራሓት ከከም ኩነታቱ ከዕዝዞ ከሐይሎን ወሲኑ፡ አብ ኩሉ ግንባራት ዝርከቡ ተቓለስቲ አባላት ንዘርእይዎ ዘሎዉ ጽንዓትን ተወፋይነትን ድማ ንኢዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ  እቲ ብሃብቲ ሃገርን ህዝብን ዘበሳብስ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት አንጻሩ ክለዓሉ ሓባራዊ ወታሃደራዊ መሪሕነት ጸዊዑ፡፡ አብ መዛዘሚ ጹሉእ ስርዓት ንምውጋድ ወታሃደራዊ መሪሕነት ንሰራዊት ኤርትራ አብ ጎኒ ድልየታት ህዝቢ ኤርትራ ክውግን ጻዊዒቱ አቕሪቡ፡፡

 

ወታሃደራዊ ሓባራዊ መሪሕነት

31ጥሪ 2012ዓ.ም.ፈ

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top