ጸብጻብ ንጥፈታት ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ሃገረ ስዊድን

 Date :  2012-02-27

ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብኣቶ በሺር ኢሳቅ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ብኣቶ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ሓላፊ ሕዝባዊ ጉዳያት ዝምራሕ ኣብ ሃገረ ስዊድን ምስ ኣባላት ፓርለማን መንግስትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ክራኸብ ቀንዩ። ኣብ ርኽክባቶም ምስ ፓርለማን መንግስትን ስዊድን ንኩነታት ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ውልቀ-መላኺ ብዘይምሕረት ብጅምላ ይሳቀ ምህላዉን፣ ከም ውጺኢቱ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ንኽብሩን ሰብኣዊ መሰሉን ብዘይካ ኣንጻርዚ ጨቛኒ ስርዓት ክቃለስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫ ከምዘይብሉ ንሰበ ስልጣን ስዊድን ኣብሪሁ።

 

ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ስለዝበጽሔ፡ ሃገርን ሕዝብን ኣብ ምብትታን ከምዝርከብ ኣምሪሮም ድሕሪ ምግላጽ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ቆላሕታን ረድኤትን ዓለምለኸን፣ መንግስቲ ስዊድን ከምዘድልዮ እውን ኣገንዚቦም።

 

ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ንስርዓት ህ.ፍ.ግ.ፍ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝገብሮ ዘሎ ምትእትታውን ጸረ ሰላምን ሃዋኽን ፖሊስኡ፣ ስዊድን ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ እገዳታት 1907ን 2023ን ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ኣትሪሮም ሓቲቶም፣ ብዝያዳ ድማ ኣባላት ፓርለማን መንግስትን ነቲ እገዳ ካብዚ ንንየው ከበርትዕዎ ደጊሞም ተማሕጺኖሞም።

 

ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ብጉዳይ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ንደሞክራስያዊ ልውጢ ዝተረኽበ ምዕብልናታት ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ 2010 ከምኡ ድማ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ2011 ዝተጋብኤ ውጺኢቱን ዕላማታቱን ኣስፊሖም ገለጻ ሂቦም። ኣብ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብፖሊቲካዊ ውድባትን፣ ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ መንእሰያትን፣ ደቀ-ኣንስትዮን ገዳይም ተጋደልትን ዝቆመ ባይቶ ናይ ተቃውሞ ደምበ ድማ መሪጾም። ሃገራዊ ቻርተርን መራሕ-ገበይ ወይ ድማ መሪሕ-ትልሚ ድማ ኣጽዲቆም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጥን ቅዋማዊ ምሕደራን ግዝኣተ ሕግን ንምእትታው ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡ ወላ እኳ ዝሓለፈ ቃልስታትና ኣገዳሲ ዓወታት እንተመዝገበ ገና ኣብ ቅድመና ዓበይቲ ብድሆታት ከምዘሎ ፡ ንዕኡ ንምብዳህ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ነፍሱ ወዲቡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከምዘሰጋግሮ  ንምልኪ ስዒሩ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንክሃንጽ ይቃለስ ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም።

 

ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ኣብ ኤርትራ ይኹን ጐረባብቲ ሃገራት እዚ ሁከታኛ ስርዓት ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ፡ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ብልጽግናን ክርከብ ስለዘይከኣል፣ ነዚ ንሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ግዝኣተሕግን ንምምጻእን ንምትካልን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት (2011) ዝተመስረተ  “ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ተፈላጥነትን ደገፍን ክህቡ ተማሕጺኑ። መንግስትን ፓርለማን ስዊድን ብመሰረት ውዕል እገዳ ነቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ብኣስገዳድ ዝእከብ ቀረጽን ናይ 2%ን ካልእ ቁጠባዊ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ከምሓዋላ ደው ከብልዎን ስጉምቲ ክወስዱን እቲ ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ሓቲቱ።

 

ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ድማ ኤርትራውያን መናእሰያት ሂወቶም ከድሕኑ ካብ ጭቆናን መቅተልትን እናሃደሙ ኣብ ጉዕዞኦም ዘጓንፎም ዘሎ ስቅያትን ሞትን ኣብ ኢድ ነጋዶ-ሰብ ዝእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ እንተዘይከፊሎም ድማ ተጠቢሖም ኣካላቶም ዝሽየጥ ጨካን ኢሰብኣዊ ተግባር ዝፍጸም ዘሎ ድሕሪ ምጽብጻብ፣ ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ንፓርለማን መንግስትን ስዊድን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳንን ግብጽን ጸቅጢ ክገብሩን መታን ስደተኛታት ካብ ሸፋቱ ነጋዶ-ሰብ ክከላኸልሎምን፣ ዝኣክል ሓገዛት ከገብሩሎምን ድማ ተማሕጺኑ።

 

ዋሕዚ ስደት ናብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጵያ ብግምት ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚስዮን ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ክሳብ 3000 ይስደዱ ከምዘለዉን ክሳብ ሕጂ ግን ዝኣክል ቆላሕታን ረድኤትን ካብ ዓለም ይረኽቡ ከምዘየለዉን፣ ስዊድን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዋ ተሰማዕነት ነቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ክወሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ሓገዝ ንስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክዋሃብ ድማ ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ሓቲቱ።

 

አብ መጨረሽታ ናይዚ ብጽሖት እዚ መልሲ ካብ ኣባልት ፓርለማን መንግስትን ስዊድን ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሔ ዋዕላታትን ጉባኤታትን ይከታተልዎ ከምዝጸንሑን ኣብዚ ደረጃ ምብጽሑን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ግንከ ነዊሕ መገዲ ይጽበዮም ከምዘሎን ደሞክራስያዊ መስርሕ ቀሊል ከምዘይኮነን ሓያል ቃልሲ ከምዘድልዮን፣ ሓገዛቶም ነዚ መስርሕዚ ንምዕዋት ክተሓባበሩ ምዃኖም ኣተስፍዮም። ልኡኽ ኤ.ዲ.ኪ. ክልተ ቅነ ኣብ ሃገረ ስዊድን ምስ ሕዝብን ሰበስልጣንን ክራኸብ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰላም ናብ ቦታኡ ተመሊሱ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6608

Posted by on Feb 28 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net