ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ስቶክሆልም

ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዞባ ስካንዲናቭያ ብዛዕባ መደባት ሃገራዊ ባይቶን ግደ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ምትግባሩን ንምዝታይ ብዕለት 18/02/2012 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ብዓወት ተሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ወ/ሮ ዓይሻ ገዓስ ኣደ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ስካንዲናቭያ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ ንዛረበሎም ዛዕባታትን ትሕዝቶኦምን ኣቕሪባ። ቀጺሉ ኣቶ ኢድሪስ ኑሩ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ስካንዲናቫያ መስርሕ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤን ምቋም ሃገራዊ ባይቶን ኣኼባታቱን ብስእሊ ብዝተሰነየ ዝነኣድ መግለጺ ኣቕሪቡ። ድሕሪ ሓጺር ዕርፍቲ ወ/ሮ ዓይሻ ገዓስ ኣደ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶን ኣቶ ክፍለ ኣስገዶምን ምክትል ኣደ መንበር ሽማግለን ብዓረብኛን ብትግርኛን ተወጢኑ ዘሎ መደባት ንተሳተፍቲ ብምቕራብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ-ዕዩ ከሀብትሞን ንምትግባሩ ክጽዕትን ተማሕጺኖም። ነዚ ምሕጽንታ’ዚ ብምቕባል ድማ፡ መብዛሕትኡ ተሳታፈይ ኣኼባ፡ ስሙን ኣድራሽኡን ከምኡ’ውን ክዋሳኣሉ ዝደሊ መዳያትን ብምሕባር ተመዝጊቡ። 

ኣቶ ፍስሃየ ሓጐስ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶን ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያትን ንግደ መንእስያት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ ተወጢኑ ዘሎ መደባት ብሰፊሕ ኣቕሩቡ።   

ካብ’ዚ ብምቕጻል ዕድል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ብምሃብ፡ ብምቛም ሃገራዊ ባይቶ ዝተሰመዖም ፍናንን ሓቦን ዝገልጹ ቃልት ኣብ ርእሱ ምስማዕ፡ ሃናጽን ሃብታምን ዝዀነ ርእይቶታትን ሓሳብትን ከምኡ’ውን ለበዋታትን ቀሪቡ።

ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ንኩሉ መዳያት ዝዓምም ናይ ህዝቢ ሽማግለታት ክቐውም ምዃኑን፡ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ተርኡ ኣብ ምክትታል ዝተሓጽረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ብሓባር ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና

ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ዞባ ስካንዲናቭያ

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6615

Posted by on Feb 28 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net