News

ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ስቶክሆልም

ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዞባ ስካንዲናቭያ ብዛዕባ መደባት ሃገራዊ ባይቶን ግደ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ምትግባሩን ንምዝታይ ብዕለት 18/02/2012 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ብዓወት ተሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ወ/ሮ ዓይሻ ገዓስ ኣደ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ስካንዲናቭያ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራብ ንዛረበሎም ዛዕባታትን ትሕዝቶኦምን ኣቕሪባ። ቀጺሉ ኣቶ ኢድሪስ ኑሩ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ስካንዲናቫያ መስርሕ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤን ምቋም ሃገራዊ ባይቶን ኣኼባታቱን ብስእሊ ብዝተሰነየ ዝነኣድ መግለጺ ኣቕሪቡ። ድሕሪ ሓጺር ዕርፍቲ ወ/ሮ ዓይሻ ገዓስ ኣደ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶን ኣቶ ክፍለ ኣስገዶምን ምክትል ኣደ መንበር ሽማግለን ብዓረብኛን ብትግርኛን ተወጢኑ ዘሎ መደባት ንተሳተፍቲ ብምቕራብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ዜጋ ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ-ዕዩ ከሀብትሞን ንምትግባሩ ክጽዕትን ተማሕጺኖም። ነዚ ምሕጽንታ’ዚ ብምቕባል ድማ፡ መብዛሕትኡ ተሳታፈይ ኣኼባ፡ ስሙን ኣድራሽኡን ከምኡ’ውን ክዋሳኣሉ ዝደሊ መዳያትን ብምሕባር ተመዝጊቡ። 

ኣቶ ፍስሃየ ሓጐስ ኣባል ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶን ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያትን ንግደ መንእስያት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ ተወጢኑ ዘሎ መደባት ብሰፊሕ ኣቕሩቡ።   

ካብ’ዚ ብምቕጻል ዕድል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ብምሃብ፡ ብምቛም ሃገራዊ ባይቶ ዝተሰመዖም ፍናንን ሓቦን ዝገልጹ ቃልት ኣብ ርእሱ ምስማዕ፡ ሃናጽን ሃብታምን ዝዀነ ርእይቶታትን ሓሳብትን ከምኡ’ውን ለበዋታትን ቀሪቡ።

ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ንኩሉ መዳያት ዝዓምም ናይ ህዝቢ ሽማግለታት ክቐውም ምዃኑን፡ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ተርኡ ኣብ ምክትታል ዝተሓጽረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ብሓባር ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና

ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ዞባ ስካንዲናቭያ

 

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top