ተበራበሩ

 ኣቱም እንዳፈለጥኩም ዝደንቆርኩም

እንዳ ሰማዕኩም ዝጸመምኩም

እንዳ ረአኹም ዝዓወርኩም

ከይትዛረቡ ኣፍኩም ዝለጎምኩም

ሎምስ ይኣኽለኩም ተጠዓሱ ብኽብረትኩም

ተነስሑ እግዚኣብሔር ክምሕረኩም

እቲ ሓቂ ንምዝራብ እካ እንተዘይደፈርኩም

መኸተ እንዳበለ ንዝጽውዓኩም

ኣፍኩምን እግርኹምን ሒዝኩም ትረፉ ኣብ በትኩም

ክቡራት ኣባላት ህግደፍ ክቡራት ኣባላት ዘይኮንኩም ደዲሕረኦም ተጣቕዑ ገንዘብኩምን ጊዜኹምን እትምዝመዙ ዘለኹም፡ ነዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ ብዙሕ ሰብ ጽሒፉዎ እዩሞ ግን ኣነ ከኣ ንሰይጣንሲ ብዓል ገጹ ኣለዎ እንድዩ ምናልባት እንተ ተሰቆረኩም ብምሕሳብ ክደግሞ ተገዲደ፡፡

 ክቡራት ኣባላት ህግደፍን መጣቓዕቶም፡ እስኪ ካብቲ ብዙሕ ግፍዕታት ናይዚ ድያብሎስ ኢሳያስ ቁሩብ ከዘኻኽረኩም፡፡ ዲያብሎስ ጠላም ኢሳያስ ምስ እዚ ረስኡ ዓዲ ከይኣቱ ከልኪሉዎ ዘሎ ናይዝጊ ኩፍሉ ኮይኑ ኣብ 73 ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቀባት መንካዕ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ዝቐተሎም ክዝርዝረልኩም፡፡

ሙሴ ተስፋሚካኤ፡ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ደሃብ ተስፋጽዮን፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ኣፈወርቂ፡ ኣበራሽ መልኬ፡ ሚካኤል ሃብተስላሴ፡ ሃብተስላሴ ገብረመድህን፡ ተወልደ እዮብ፡ ጎይቶኦም በርሀ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ዎልደሚካኤል ሃይለ፡<ወዲ ሃይለ>፡ ዶክቶር መኮነን ሃይለ፡ ዶክቶር መድሃኔ፡ ኢብራሂም ዓፋ ወዘተ…………..፡ አረ ክንደይ ክብሎም ዲያብሎስ ኢሳያስ ዘጥፈኦም፡፡ ነዞም 40 ዓመት ምስኡ እተቓለሱ ሚኒስተራት ገገኦም ተረዲኦም ንዓ ሕጂስ ይኣኽለና ስልጣን ንህዝቢ ነረክቦ ስል ዝበሉ ኣሕቂቑዎም ዘሎ፡ <እዚኦም እኮ እቶም ድሩዕ ሸሪፎ ጰጥሮስ ወዘተ እንዳበልኩም ሆ ሆ እንዳበልኩም ትምክሑሎም ዝነበርኩም እኮ እዮም፡ ንስኻትኩምውን ከምቲ ንእግዚኣብሔር ንኣላህ ኪሒድኩም ንዲያብሎስ ጨካን ኢሳያስ ኣምሊኽኮሞ ዘለኹም ጠላማት ኢኹም፡፡ እስኪ ቁሩብ እንተተሰቆረኩም ድሕሪ ናጽነት፡ (ኣነ እካ ናጽነት ኣይብላን እየ፡ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ስለ እተሰጋገረት ባርነት እየ ዝብላ)፡፡

1.ካብ መዳ እትው ምስበለ ዲያብሎስ ኢሳያስ ብኣዋጅ ካብ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን (ፓርቲ ዝበሃል የሎን ማለት እዩ)፡፡ 2. ነቶም ደቆም ኣሰዊኦም ካንደይ ጭንቅን መከራን ዘሕለፉ ወለዲ ስኽፍ ከይበሎ ተሸጊርና እንተበሉ እሞ በጊዕን ጎምቦ ሱዋ ሒዝናልኩም ክንመጽእ ዲኹም ደሊኹም በሎም ፡፡ 3. ኣዚዩ ኣሕዛኒ ከኣ ነቶም ምእንቲ ሃገር ዝሰንከሉ ተበዲልና ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ከም ናይ ስርቅን ቅትለትን ስንኩላት ቆጺሩ ብጥይት ተቐበሎም፡ ከይሓፈረ ክኣ ሓንቂቖም በሎም፡ (ንምኻኑ ክሕንቅቑ ከ ኣይግብኦንዶ)፧ 4. ነጻ ጋዘጠኛታት ተኣሲሮም ቤት ማሕተማት ተዓጽየን፡ 5. ኩለን ናይ ሃይማኖታት ጋዜጣታት ተኸልኪለን፡ ብጀካ እተን በተክርስቲያናት ኩለን ንብረት በተክርስትያናት ተወሪሰን፡፡ ሽማግለታትትን ምሁራትን ካህናትን ብፍላይ ከኣ እንኮ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ዝነበረ ተኣሲሩ፡ ኣብ እዚ እዋንዚ ኣስመራ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት በዚሖማ ዘለው ክንደይ ምጠቐመ፡፡ 6. መማህራን ፍሉጣት ፕሮፈሶራት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኩሎም ኣውጺኡ ብብቕዓት ዘይብሎም ዓሻኽሩ ተኪኡዎም፡፡ 7. ባዕሉ ዝወለዖ ውግእ 70. ሺሕ ተሰዊኦም፡ ገበነኛ ስለ ዝኾነ ከኣ 25 ኪሎ መተር ካብ መረት ኤርትራ ንድሕሪት ክምለስ ተፈሪዱዎ፡፡ 8. እቲ ዝገደደ ህግደፋውያን ጨካናት ምኻኖም ዘረድእ ክሳብ ሎሚ እውን ዘይተሰቆሮም ማእሰርቲ ናይ ክቡር ብጹእ ወቁዱስ ፓትሪያርክ ኣንጦኒዮስ ናይ ሃይማኖት ተዋህዶ መራሒ ሲኖዶስ ዝቐብኦም ኣየተሓሳስበኩምንዶ ብሓደ ጨካን ንፍታለም ዲመጥሮስ ሓዲስ ብኢሳያስ ዝእዘዝ ክሽየም፡፡ እስኪ ህግደፋውያን ኣእምሮኹምን ኣዒንትኹምን ኣፍኩምን ክፈቱ፡፡ ኣባላት ህግደፍን ተኸተልቶምን እዚ ኩሉ እንዳፈለጥኩም ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ስደት ዘለኹም ኢሳያስ ጁባኹም ጥራዩ እንዳትረፎ መንግስትና እንዳበልኩም እትጭርሑ ዘለኹም ስለ እግዚኣብሔር ብስሚላህ ክትሓስብሉ፡፡ እግዚኣብሔር ኣላህ ቅኑዕ የሕስብኩም ምሕረቱ ከኣ የውርደልኩም፡፡

 

17.03.12 ፍስሓጽዮን ደስታ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6749

Posted by on Mar 18 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net