Articles

ተበራበሩ

 ኣቱም እንዳፈለጥኩም ዝደንቆርኩም

እንዳ ሰማዕኩም ዝጸመምኩም

እንዳ ረአኹም ዝዓወርኩም

ከይትዛረቡ ኣፍኩም ዝለጎምኩም

ሎምስ ይኣኽለኩም ተጠዓሱ ብኽብረትኩም

ተነስሑ እግዚኣብሔር ክምሕረኩም

እቲ ሓቂ ንምዝራብ እካ እንተዘይደፈርኩም

መኸተ እንዳበለ ንዝጽውዓኩም

ኣፍኩምን እግርኹምን ሒዝኩም ትረፉ ኣብ በትኩም

ክቡራት ኣባላት ህግደፍ ክቡራት ኣባላት ዘይኮንኩም ደዲሕረኦም ተጣቕዑ ገንዘብኩምን ጊዜኹምን እትምዝመዙ ዘለኹም፡ ነዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ ብዙሕ ሰብ ጽሒፉዎ እዩሞ ግን ኣነ ከኣ ንሰይጣንሲ ብዓል ገጹ ኣለዎ እንድዩ ምናልባት እንተ ተሰቆረኩም ብምሕሳብ ክደግሞ ተገዲደ፡፡

 ክቡራት ኣባላት ህግደፍን መጣቓዕቶም፡ እስኪ ካብቲ ብዙሕ ግፍዕታት ናይዚ ድያብሎስ ኢሳያስ ቁሩብ ከዘኻኽረኩም፡፡ ዲያብሎስ ጠላም ኢሳያስ ምስ እዚ ረስኡ ዓዲ ከይኣቱ ከልኪሉዎ ዘሎ ናይዝጊ ኩፍሉ ኮይኑ ኣብ 73 ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቀባት መንካዕ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ዝቐተሎም ክዝርዝረልኩም፡፡

ሙሴ ተስፋሚካኤ፡ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ደሃብ ተስፋጽዮን፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ኣፈወርቂ፡ ኣበራሽ መልኬ፡ ሚካኤል ሃብተስላሴ፡ ሃብተስላሴ ገብረመድህን፡ ተወልደ እዮብ፡ ጎይቶኦም በርሀ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ ዎልደሚካኤል ሃይለ፡<ወዲ ሃይለ>፡ ዶክቶር መኮነን ሃይለ፡ ዶክቶር መድሃኔ፡ ኢብራሂም ዓፋ ወዘተ…………..፡ አረ ክንደይ ክብሎም ዲያብሎስ ኢሳያስ ዘጥፈኦም፡፡ ነዞም 40 ዓመት ምስኡ እተቓለሱ ሚኒስተራት ገገኦም ተረዲኦም ንዓ ሕጂስ ይኣኽለና ስልጣን ንህዝቢ ነረክቦ ስል ዝበሉ ኣሕቂቑዎም ዘሎ፡ <እዚኦም እኮ እቶም ድሩዕ ሸሪፎ ጰጥሮስ ወዘተ እንዳበልኩም ሆ ሆ እንዳበልኩም ትምክሑሎም ዝነበርኩም እኮ እዮም፡ ንስኻትኩምውን ከምቲ ንእግዚኣብሔር ንኣላህ ኪሒድኩም ንዲያብሎስ ጨካን ኢሳያስ ኣምሊኽኮሞ ዘለኹም ጠላማት ኢኹም፡፡ እስኪ ቁሩብ እንተተሰቆረኩም ድሕሪ ናጽነት፡ (ኣነ እካ ናጽነት ኣይብላን እየ፡ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ስለ እተሰጋገረት ባርነት እየ ዝብላ)፡፡

1.ካብ መዳ እትው ምስበለ ዲያብሎስ ኢሳያስ ብኣዋጅ ካብ ሕጂ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን (ፓርቲ ዝበሃል የሎን ማለት እዩ)፡፡ 2. ነቶም ደቆም ኣሰዊኦም ካንደይ ጭንቅን መከራን ዘሕለፉ ወለዲ ስኽፍ ከይበሎ ተሸጊርና እንተበሉ እሞ በጊዕን ጎምቦ ሱዋ ሒዝናልኩም ክንመጽእ ዲኹም ደሊኹም በሎም ፡፡ 3. ኣዚዩ ኣሕዛኒ ከኣ ነቶም ምእንቲ ሃገር ዝሰንከሉ ተበዲልና ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ከም ናይ ስርቅን ቅትለትን ስንኩላት ቆጺሩ ብጥይት ተቐበሎም፡ ከይሓፈረ ክኣ ሓንቂቖም በሎም፡ (ንምኻኑ ክሕንቅቑ ከ ኣይግብኦንዶ)፧ 4. ነጻ ጋዘጠኛታት ተኣሲሮም ቤት ማሕተማት ተዓጽየን፡ 5. ኩለን ናይ ሃይማኖታት ጋዜጣታት ተኸልኪለን፡ ብጀካ እተን በተክርስቲያናት ኩለን ንብረት በተክርስትያናት ተወሪሰን፡፡ ሽማግለታትትን ምሁራትን ካህናትን ብፍላይ ከኣ እንኮ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ዝነበረ ተኣሲሩ፡ ኣብ እዚ እዋንዚ ኣስመራ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት በዚሖማ ዘለው ክንደይ ምጠቐመ፡፡ 6. መማህራን ፍሉጣት ፕሮፈሶራት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኩሎም ኣውጺኡ ብብቕዓት ዘይብሎም ዓሻኽሩ ተኪኡዎም፡፡ 7. ባዕሉ ዝወለዖ ውግእ 70. ሺሕ ተሰዊኦም፡ ገበነኛ ስለ ዝኾነ ከኣ 25 ኪሎ መተር ካብ መረት ኤርትራ ንድሕሪት ክምለስ ተፈሪዱዎ፡፡ 8. እቲ ዝገደደ ህግደፋውያን ጨካናት ምኻኖም ዘረድእ ክሳብ ሎሚ እውን ዘይተሰቆሮም ማእሰርቲ ናይ ክቡር ብጹእ ወቁዱስ ፓትሪያርክ ኣንጦኒዮስ ናይ ሃይማኖት ተዋህዶ መራሒ ሲኖዶስ ዝቐብኦም ኣየተሓሳስበኩምንዶ ብሓደ ጨካን ንፍታለም ዲመጥሮስ ሓዲስ ብኢሳያስ ዝእዘዝ ክሽየም፡፡ እስኪ ህግደፋውያን ኣእምሮኹምን ኣዒንትኹምን ኣፍኩምን ክፈቱ፡፡ ኣባላት ህግደፍን ተኸተልቶምን እዚ ኩሉ እንዳፈለጥኩም ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ስደት ዘለኹም ኢሳያስ ጁባኹም ጥራዩ እንዳትረፎ መንግስትና እንዳበልኩም እትጭርሑ ዘለኹም ስለ እግዚኣብሔር ብስሚላህ ክትሓስብሉ፡፡ እግዚኣብሔር ኣላህ ቅኑዕ የሕስብኩም ምሕረቱ ከኣ የውርደልኩም፡፡

 

17.03.12 ፍስሓጽዮን ደስታ

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top