አብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቐንስትዮ

አብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 8 መጋቢት ክትበዓል እንከላ ደቀንስትዮ ዓለምና ንመሰለንን ክብረንን ዝጸዓረኦ ጻዕሪ ንድሕሪት ምልስ ኢለን ዝግምግማላን ንመጻኢ ብተስፋን ትምኒትን ዘቋምታላን መብጽዔኤን ዘሐድሳላን ዕለት እያ።

አብ ሃገርና እዛ ዕለት’ዚአ ፍልይ ዝበለ ትርጉም እዩ  ዘለዋ ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ አብ ርእሲ’ቲ ስድራቤታ ንምእላይ እትገብሮ ጻዕሪ፡ አብ ሰውራዊ ቃልሲ ውን ልክዕ ከምቶም ደቂተባዕትዮ አሕዋታ ሂወታ ወፍያን ተበጅያን ዓለም ዘደነቐ ታሪኽ ብምስራሕ ንኤርትራ ናጽነት ንኽትጎናጸፍ ዝገበረ ዓቢ ጅግንነት ሰሪሕ ኢያ።

አብ ድሕሪ ናጽነት ውን እንተኾነ አካል ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃና መጠን መጻኢአን መጻኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ንምውሓስ ትጸዕርን ንመጻኢ ተቋምትን አብ ዝነበረትሉ ህሞት፡ ዘራጊ ማይ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተይ ከምዝበሃል ፡ ህግደፍ መጺኢ ዕድላ ንምጽልማት ተንኮላት አሊሙን፡ ንህልቂታ ሰሪሑን ይሰርሕ አሎን። ህግደፍ ንይምሰል “ መሰል ደቀንስትዮ ኤርትራ ይከበር ” እናበለ፡ ብውሽጢ ግን አንጻር ናይ’ቲ ጭርሖኡ ደቀንስትዮ ኤርትራ ናብ እስረኛ ፤ ስደተኛ ፤ ናይ ሓለፍቲ ህግደፍ አገልገልቲ ቀይሩወን እዩ።

አብ ዓለምና እዛ ዕለት’ዚአ ብሓጎስ እንክትበዓል አብ ሃገርና ግን ብዝንታን ብምስትምሳልን ካብ እትበዓል ዓመታት አቑጺሩ ይርከብ። ደቀንስትዮ ኤርትራ እተን ብዕድሜ ዝዓበያ አዴታት ፡ ብዝወለድኦም ፍረ ማህጸነን ብዝኾኑ ውላደን ተሓቢነንን ተአልየንን ክንዲ ዝነብራ፡ ዝወለዳኦም ደቀን አብ ክንዲ አብ ሕቑፈን ፡ አብ ፈቐድኡ ዛሕ ኢሎም ገሊኦም ንስደት ገሊኦም አብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ አገልግሎት (ሃገራዊ ባርነት) ገሊኦም ውን ብሰንኪ ህግደፍ ሂወቶም ብምስአኖም፡ እተን ወለዲ አደዳ ጓሂን ሻቕላን ኮይነን ይርከባ ። እተን ዝነአሳ ድማ ብሰንኪ ህግደፍ ንዝፈትዋኦም ስድራቤተን ራሕሪሔን እግረን ናብ ዘምረሐን ክስደዳን ናይ ሓሳረመከራ ግዳያትን ክኾና እንከለዋ፡ ገሊኤን ድማ እቲ ስርዓት ብፍላጡ አገልገልቲ ናይ ሓለፍቱ ብምግባር ፡ንስቓይን ሞትን ከምዝቃላዓ ገይሩወን እዩ። ካብ ባሕሪ ጭልፋ ከምዝበሃል  ኹሉ’ቲ አብ ልዕሊ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ሕሰምን  አብ ግዜኡ ክቃላዕ እኳ እንተኾነ ፡ ከም አብነት ግን አብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዘሰንበደ አብ ልዕሊ ንጽህቲ ኤርትራዊት ራሄል በራኺ ዘጋነፋ ግፍዒ ክግለጽ ይከአል።

“ዝወለደ አይተሓጎሰ ዘይወለደ አተሓጎሰ”  ከምዝበሃል አብ ሃገርና ብዙሓት ስድራቤት ፈርየን ወሊደን ተባዚሔን  ክንሰን ረዳኢ ጠዋሪ ዘይብለን ዘኽቲመን ተሪፈን እየን ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ኤርትራ ውን ሰብኡተን ብዘይገበን ብስርዓት ህግደፍ ብምእሳሮም ፡ ስድራቤት ናይ ምእለይ ሓላፍነት አብ ዝባነን ብምውዳቑ አደዳ ሽግርን መከራን ከልበትበትን ኮይነን እየን ። ብዙሓት ውን ካብተን አብ ሃገራዊ አገልግሎት ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ ህግደፍ አብ ልዕሊኤን ናይ ምግሳስ ገበን ተፈጺሙ እዩ ።  አብ ገጠራት ዝነብራ ብዙሓት ደቀንስትዮ ውን አብ ግዜ ሕማመንን ፤ ጥንሰንን ፤ሕርሰንን እኹል ሕክምናዊ አገልግሎት ብዘይምርካበን አደዳ ሞተንን ሞት ዕሸለንን ኮይነን እየን ።

እዚ አቐዲሙ ዝተጥቅሰን ካልእ ካብ’ኡ ዝበአሰን አብ ኤርትራዊት ጉለንስተይቲ ዝወርድ ዘሎ መከራ መግትኢ ክግበረሉ እንተደአ ኾይኑ ፡ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከም አመላ ከም’ቲ አብ ግዜ መግዛእቲ ንመሰላን መሰል ህዝባን አይግዛእን ብምባል አንጻር ገዛኢ ስርዓት ደው ዝበለት ፡ ሎሚ ውን ንኽብራን ኽብሪ ህዝባን ፡ ንኽብሪ’ቶም አብ ስደት ተጠቢሖም ክፋል አካላቶም ዝሽየጥ ዘሎ መንእሰያት ደቃን አሕዋታን አሓታን፡ ተቢዓ ብጅግንነት ንነውራም ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ይአክል ክትብሎን ክትምክቶን ይግባእ ።

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንመሰላ ክትቃለስ ፡ መሰላን ግቡአን ክንዲ ዝኾነ ፡ አብ ተቓውሞአዊ ቃልሲ ነብሳ ብምጽንባር ጸሊም ፋይል ህግደፍ ንዘልአለም ንምዕጻውን ፡ አብ ሓዲሽ ገጽታ ፡ ሰላምን ፍትሒን ደሞክራሲን ዝነገሳ ኤርትራ ንምርአይን ፡ ሕልሚ ስዉአትና ክዉን ንምግባርን አበርቲዓ ክትሰርሕ እዋኑ ሕጂ እዩ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

8/3/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6769

Posted by on Mar 19 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net