ቕልዕቲ መልእኽቲ ናብ ድምጺ ኣመሪኻ ክፍሊ ትግርኛ

ሰላምታይ ብምቕዳም ብዛዕባ ነፍሲሔር  ናይዝጊ ክፍሉ  ብተወልደ ዝተዳለወ ቃለምሕተታ ከምዝተኸታተልኩን ኮይኑ ግና እቲ ትሕዝቶ ይኹን አቀራርባ ካብ ጋዜጣዊ ሞያ ዝረሐቀ:  ነቲ ተወልደ ዘቕርቦ ዝነበረ ገለ ሕቶታት መንግስቲ ኤሪትራ ክምልሶ ዝክእልን ሓላፍነታዊ ግዴታ ከምዘለዎ ርዱእ ሙኻኑ እንዳተፈልጠ : ተወልደ ግና ከም ጋዜጠኛ መጠን አብ ክንዲ ንመንግስቲ ኤሪትራ ወይ እውን ንወከልቲ  መንግስቲ ኤሪትራ  ዝውከስ : አብቲ ጉዳይ ምትእስሳር ዘይብሎም  ንእንበዓል ሓረባኛ መስፍን ሓጎስ ብምዕዳም እንታይ ይመስለኹም እንዳበለ ናይ ቀለዓለምን ካብ ሙያዊ ኣሰራርሓ ዝረሐቀ  ሕቶታት ክሓትትን: ንመንግስቲ ኤሪትራ ሓቲትና መልሲ ዝህበና አይረከብናን ብምባል ከም ጋዜጠኛ መጠን እቶም ደዊሉ ዘዛረቦም በዓልመን ሙኻኖምን ዝሃብዎ መልሲ አብ ክንዲ ንሰማዕቱ ዘቃልዕ አስማት ናይ እቶም መልሲ ክህቡ ዘይደለዩ  ሰበስልጣን ህግደፍ ካብ ሰማዕቲ ድምጺ ኣመሪካ ክሓብኣሎምን  ክሸፋፍነሎምን ተገዲዱ::

እቲ ክግበር ዝነበሮ ግና  ብቀዳምነት ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ዝሕተት ኤምባሲ ኤሪትራ አብ ለንደን ዘሎ ኮይኑ ናብቲ ኤምባሲ ብምድዋል ከምቲ ኹሉ ጋዜጠኛ ዝገብሮ ሕቶታቱ የቕርብ:: ዝተዋህቦ መልሲ ድማ ንሰማዕቱ የቃልዕ::

እዚ ምስዘይሰልጦ  ናብ አስመራ ብምድዋል  ነቲ ብኻልይ ደረጃ ዝምልከቶ አካል ማለት ኣብ  ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናብ ሓለፍቲ ናይ አውሮጳ ደስክ   ብምድዋል ሕቶታቱ የቅርብ::  ሕጂውን ሕብእብእ ወይ ፍርሕርሕ ከየበለ እቲ ዝተዋህቦ መልሲ ንናይ ትግርኛ መደብ ተኸታተልቲ የቃልዖ::

እዚ ምስዘይሰልጦ ከምቲ ልሙድን ከምቲ ኩሉ ጊዜ በተደጋጋሚ ዝገብሮ ናብ ዓሊ ዓብዱን የማነ ገብረአብ  ብምድዋል ርእይትኦም ክሰምዕ  ይፍትን:: ዝተዋህቦ መልሲ ድማ ከምዘለዎ ንሰማዕቱ የቅርብ::

ነዚ ምስ ገበርካ ወይ ሓበርካ ኢካ ንመንግስቲ ሓቲትና መልሲ ሲኢና ትብል እሞ እቶም ናይ ትግርኛ መደብ ተኸታተልቲ ድማ ነቲ ፈተነታትካ ብምውዳስ ንጻዕርኻ ጨለ ይብሉኻ::  እዚ ስለዘይገበርካ ግና ጋዜጣዊ ሙያ አየርአኻን ጥራሕ ዘይኮንካ ንዘይቑቡልን ንጽዩቕ አገባባት ጉንብሕ ጉንብሕ ብምባልካን ምስ ወከልቲ ህግደፍ ብምትሕብባርካ ብታሪኽ እውን  ክትንቀፍ ክትነብር ኢኻ::

አልጋነሽ ኽፍሉ!

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6764

Posted by on Mar 19 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net