News

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ንህዝቢ ኣኼባ ኣካይዶም። አብ’ቲ አብ ዕለት 11/3/2012 ዝተገብረ አኼባ ፡ አባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ፡ ሓፈሻዊ ምዕባለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቦም።

ቀጺሎም ብዛዕባ’ቲ አብ አዋሳ ኢትዮጵያ አብ ወርሒ 11/ 2011 ዝተኻየደ ሃገራዉ ጉባኤ አመልኪቶም ፡ እቲ ጉባኤ ታሪኻዊ ፍጻመ አብ ርእሲ ምዃኑ ፡ ብኹሉ መምዘኒታት ዕዉት ምንባሩ ብምሕባር ፡ ሰልፊ ናህዳ ከም አካል ተቓውሞ መጠን አብ ኩሉ ፋጻሜታት ናይ’ቲ ጉባኤ ጎሊሑ ዝርኤ ተራ ከምዝተጻወተን ፡ ንጉዳይ ብሄር ጀበርቲ ብዝምልከት ውን ተሪር መርገጺ ሒዙ ብምቕራብ እቲ ጉዳይ ዓቢ ተገዳስነት ተዋሂብዎ ንህዝቢ ጀበርቲ ብዘዕግብ አገባብ መዕለቢ ክግበረሉ ከምዝተኻእለ ገሊጾም። 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ አብ’ዚ ሕጂ እዋን ፡ ምስ’ቲ ኣብ ጉባኤ ዝቖመ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዃን  ፡ ንግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝከአሎ ዘበለ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሮም።

አብ መወዳእታ ናይ’ቲ መደብ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት አዕጋቢ መልሲ ድሕሪ ምሃብ ፡ ንውደባ ጨንፈር ካናዳ እትመርሕ 3 ዝአባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ብምምራጽ እቲ ኣኼባ ተደምዲሙ።

አብ ሞንጎ’ቶም ካብ ቶሮንቶን ከባቢአን ዝመጹ ተሳተፍቲ አኼባ ፡ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ተረኺበን ነይረን ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top