ጋዜጣዊ መግለጺ

ሓያሎ ናይ ዜና ማዕከናት ከም ዝገለጸኦ፡ ብሓመስ 15 መጋቢት 2012፡ ሰራዊት ኢትዮጽያ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ውሽጢ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ብዘይ ወላሓደ ስክፍታ ኸኣ እቲ ነዚ ዜና’ዚ ዘመሓላለፈ ናይ መንግስቲ ኢትዮጲኣ በዓል ስልጣን፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ክድገሙ ከምዝኽእሉ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ስድሪ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ልዑላውነት ዕርትራ ዝተፈጸመ ዘይምኽኑይ መጥቃዕቲ ብዘየላውል መገዲ ትኹንን። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ መመኽነይትኡ ብዘየገድስ፡ ነቲ ደጊመ ክጥቅዕ’የ ዝብል ምፍርርራሕ ብቕጽበት ከቋርጽ ትጽውዕ። ንክልቲእን መንግስታት ከኣ ንፍልልያተን ሕጋውን ሰላማውን መፍትሒ ከናድያ መጸዋዕታኣ ተቕርብ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኽልቲእን ሃገራት፡ ኣብ ህይወት ክልቲኡ ኣህዛብ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዝህልዎ፡ ናብ ዝዓበየ ኩናት ክወስደን ዝኽእል ሓደገኛ ምዕባሌ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝያዳ ከግድዶ እዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሳዕቤናት ዝሓለፈ እቲ ልዕሊ ሚእርቲ ሺሕ ህይወት ዘባኸነን ካልእ ጉድኣት ዘስዓበን  ኩናት ገና ዘይሓወያ ሃገራት እየን። ዳግማይ ኩናት ከኣ እቲ ናይ መጨረሻ ኣህዛብ ክልቲእን ሃገራት ዝደልይዎ እዩ። ኣሰር እቲ ዝሓለፈ ኩናት ዘስዓቦ ዕንወት ገና ክሳብ ሎሚ ይረእሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ኩናት ምኽንያት ገና መፍትሒ ኣይተረኽበሉን። ዳርጋ ኩሉ እቲ ኣብ ዞባና ኣሎ ዝበሃል ግርጭት ከኣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሰሪ ዘይምፍታሕ ግርጭት ዶብ ብሓደ ወገን፡  ኣብ መንጎ ክልቲኡ መሪሕነታት ዝርከብ ጽልእን ዘይምትእምማንን እዩ ክበሃል ይከኣል።

 ስድሪ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ጽጥታ ባይቶ ሕቡራት ሃገራትን ሓድነት ኣፍሪቃን እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ ብኣጋኡ ጠጠው ከብሉዎ ኣድላይ ስጉምትታት ክወስዱ ትጽውዕ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መትከላት ኣህጉራዊ ሕግን ከተኽብር ኣድላይ ጸቕጢ ክግበረላ መጻዋዕታኣ ዳግማይ ተቕርብ።

 

ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ስድሪ

ፈጻሚት ቦርድ

ለንደን 17.03.2012

E-mail:  cdrieritrea@gmail.com – www.cdrie.net 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6757

Posted by on Mar 18 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net