ሰዓረ’ዶ ጎደበ?
ሰዓረ’ዶምበልክሞ ጎደበ
ጎደበ ምበልክዎ ሓንጎሉ ዝሰበበ
ብጥልመትን ሽርሕን ዝዘቕበበ
ቀትሪ ክሎ ጸሓይና ዘዕረበ፡
እወ ምበልክዎ ጎደበ
ሕሰምን መከራን ዘዝነበ
ነዚ ሓላል ህዝቢ ዘይሕሱብ ዝሓሰበ፡
ኣብ ክንዲ ሓርነት ባርነት ዘግዘመ
ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለመ
ፍትሒ ጎስዩ ኣብ ዓመጽ ዝረዓመ
ስድራ ስዉእ ብጥሜት ዝገሰመ
ጎደበ’ዩ ሓንጎሉ ናይ እንስሳ ዘገዳመ፡
ጎደበ ደኣ ሓሊፍዎ
ከመይ ኢልኩም ሰዓረ ትብልዎ
እቲ ላምፓዱሳ’ንዶ ረኣይዎ
ነቲ ጎበ ሲናይ ሕተትዎ
እቲ ዒራዒሮ ፈትሽዎ
ጽላሎቱ ኣብ ልዕሊ ሬስኦም ክትርእይዎ
ሽዑ ጎደበ ምዃኑ ክትፈልጥዎ፡
ጎደበ ደኣ በልዎ ጎደበ
ሰዓረ ኣይትበልዎ መሬት ምስ ዓረበ
ጎደበ በልዎ ደም ሰብ ዝጸገበ
ዘይናቱ ኣይትሃብዎ ክውሕዶ’ኳ ጎደበ፡ ፤
ፍትሒ ይንገስ!!
ወልዱ ተኽለ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=8751