ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ስዊስ ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ

 ኣብ ትሕቲ “ መሪሕ ጭርሑ ወድብና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ንምትግባር ቃልስና ነዕዝዝ” ዝብል ጭርሖ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ስዊስ  ብዕለት 28/09/2014 ጉባኤ ጨንፈር ኣሰላሲሉ። ኣብ’ዚ ካብ ሰዓት 04.00 ክሳብ 20.30 ኣብ  ሓደ ካብ ኣዳራሻት ዮኒቨርስቲ ጅነቭ  ዝተኻየደ ጉባኤ: ካብ ዝተፈላለዩ ካንቶናት  ክሳተፉ ከለዉ፡ ገለ ድማ ብምዕቡል ናይ መራኸቢ ኣገባብ ኣብ ጉባኤ ከም ዝተሳተፉ ንጉባኤ ጨንፈር ዓቢ ክብደት ሂብዎ።

 

ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ፡ ከይዲ ጨንፈር ስዊስ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን ዘጋጠሞ ድኽመታትን ብኣባላት ሽማግለ ጨንፈር ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ። ብተወሳኺ፡ ውድብና ካብ 2ይ ጉባኤኡ ኣትሒዙ ክሓልፎ ዝጸንሐ ቅልውላውን፡ ካብኡ ንምውጻእ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን፡ ድሒሩ ዝተራእየ ተስፋ ዝህብ ንጥፈታት ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን ብዝምልከት ሰፊሕ ክትዕ ተኻይዱ። ጉባኤኛታት፡ ነቲ ብድሪኺት ውፉይ መሰረታትን መትከላውያን ኣባላት መሪሕነትን፡ ኣብ ህንጻ ሕጊ ወድብ ብምምርኳስ ነቲ ውድብ ንምብታን ዝዓለመ ተግባራት ክእርም ምኽኣሉ፡ ኣመጕሶም። ካብ ዝሓለፈ ቅልውላውን ብዛዕባ’ቲ ዘይተጸንዐ ሓድነታት ዝፈጠሩ ጽልግልግን ትምህርቲ ክንቀስም ከም ዝገባኣና፡ ጉባኤ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ስዊስ ርእዩ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ዝመጽእ ግዜ ኩሉ መዳያዊ መደባት ብምስራዕን፡ ሓዳስ ሽማግለ ጨንፈር ብምምራጽን፡ ፍናን ኒሕን ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ጉባኤና ስራሓቱ ብዓወት ዛዚሙ። ውድብና ግ.ሃ.ድ.ኤ. መሪሕ ሃገራዊ ግዴኡ ንክጻወት ካብኦም ዝጥለብ ኩሉ ንከማልኡ ድሉዋት ምዃኖም ጉባኤኛታት ኣረጋጊጾም።

 

ቀጥታ ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ፡ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ጨንፈር ናይ ስራሕ ምምቕቓል ብምግባር፡ ቀጥታ ኣብ ምትግባር ውሳኔታት ጉባኤ ከም ዝኣተወተ ንሕብር። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ምስ መሓዙት ፓለቲካውን በርጌሳውን ውድባትን መሕበራትን ከምኡ’ውን ምስ ገለ ኢምባሲታት ድሮ ሃናጺ ርኽክባት ከም ዝተኻየደ’ውን ብተወሳኺ ንሕብር።

  

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ክንዕወት ኢና !

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ስዊስ

04/10/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8952

Posted by on Oct 8 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net