ዕዉት መስራቲ ጉባኤ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኢስኪሊስቱና (Eskilstuna)

ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኢስኪሊስቱና (Eskilstuna) ሽወደን፡ ብሰንበት ዕለት 16/11/2014 መስራቲ ጉብኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ በቶም ተበግሱ  ጥርናፈ ኣብ ዝተወስደሉ ኣኼባ ዝቖመት ግዜያዊት ሽማግለ ብእንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ተኸፊቱ። መስራቲ ጉባኤ ተዓዊቱ ንምውጻእን ሓቀኛ ጥርናፈ መንእስያት ንምርግጋጽን ካብ ግዜ ክሳብ ዕለት መስራተ ጉባኤ ዝተኻየዱ ጻዕርታት ብዝምልከት ሓጺር መግለጺ ቐሪቡ። ቀጺሉ ጉባኤ እተመርሕ ስክረታርያ ብምምራጽ፡ ጥርናፌና ዝምረሓሉ ህንጻ ሕግን ናብ ክትዕ ብምውራድ ሓላፍነታውን ሃናጽን ሓሳባትን ርእይቶን ድሕሪ ምቕራብ ብኣኼብኛታት ጸዲቑ። ድሕሪ ምጽዳቕ ህንጻ ሕጊ፡ ሰፊሕ ዘተን ልዝብን ዝተኻየድሉ ናይ ሓደ ዓመት መደብ ዕዩ፡ ጉባኤ ሓንጺጹ።

 

ኣብ ሽወደንን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ደላይ ፍትሒ ክቡር ህዝብና፡

 

መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ወሳኒ ተራ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ጭቆናን ግፍዕን ስርዓት ህግደፍ፡ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ድሕሪ ምግዳዱ፡ ኣብ ናይ ስደት ቦታታት ኣሰቃቒ ኩነታት የሕልፍ ምህላዉ ንኩላህና ብሩህ ኢዩ። ናይ ኩሉ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ኩነታት ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ንዕኡ ንምቕያርን ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዝነግሰሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ናይ ኩላህና ሓልፍነት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ካብ ርድኢት ብምብጋስ ከኣ፡ ኣብ ኢስኪሉስቱና እንረከብ መንእሰያት ኤርትራ ተጠርኒፍና ብደረጃ ሃገራዊ ጉዳይ ይኹን፡ ንዓና ኣብ ሓዲሽ ናይ ስደት ቦታ ንክገጥሙና ዝኽእሉ ናይ ናብራ ብድሆታት ብምትሕብባር ክንፈትሐሙን ተበጊስና ምህላውና ክንሕብር ደስ ይብለና። ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንሰርሕ ድሉዋት ምዃና ድማ ነረጋግጽ። ዓውትና ኣብ ጥርናፌና ምዃኑ ስለ እንአምን፡ ኮሎም ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራውያን ዓቕምታቶም ብሓደ ክጸምዱ ልባዊ ጻዊዕትና ነመሓላልፍ።  ከምኡውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ ዘለውዎ መርገጽ ተገላጊሎም፡ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቶም ብምስላፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክቃለሱ ንጽውዕ።

 

ኣብ መደምደታ ስራሓቱ፡ መስራቲ ጉባኤ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኢስኪሊስቱና ኣመራጺ ሽማግለ መዘዘ፣ መስርሕ መረጻ  ብምክያድ 5 ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር መሪጹ። ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋን ብምምሕላልፍ፡ መስራቲ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ። 

 

ሓይልና ኣብ ጥርናፌና

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና

 

መስራቲ ጉባኤ

ርናፈ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኢስኪሊስቱና (Eskilstuna)

15/11/2014

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9045

Posted by on Nov 20 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net