ጭፍራ ህግደፍ/ዴምህት… ኣኺላያ ሰዓት

hgdfwawean

መርዛም ጭፍራ… ህግደፋዊ መዓት

ትቀላቀል ኣላ… ናይ  ዕንወቱ ሰዓት

ኢሂን ምሂን ንበል ነጥፈኣያ ስግኣት

ንቃወሞ ሓቢርና ውልቀመላኺ ስርዓት

 

 ካብ ሱሩ ይለቀቅ ክርዳድ ክፉእ ውዲት    

ሓቢርና ንመክት… ንገስግስ ንቅድሚት

ነድሕና ሃገርና ካብ ህግደፍን  ዴምህት

ንጨፍልቆም ብሓባር… ተመነ ዕንቅርቢት

 

ስንቂ ኣደና ኮነ… ስቃይ ሓዘን ንብዓት

ኣቦና ተኣሲሩ ብዘይ ሕጊ ስርዓት

ጎበዝና ተሰዲዱ… ወሪድዎ  ግፍዓት

ኢደይ ኢድካ ንበል… ኣኺላያ ሰዓት

 

ሓላፍነትካ ተሰከም ሃገራዊ ሰራዊት

ኣድሕኖ ህዝብኻ ካብ ፋሺስታዊ ኣራዊት

ብትብዓት ተቃለስ አካሽሓዬ እቲ ውዲት

ፎእ… ንበሎም.. ንህግደፍ  ምስ  ዴምህት

 

ተረሲዑ ዲዩ…  ሕድሪ  ጀጋኑ ሰማእታት !?!

ተጠሊሙ ዲዩ… መስዋእቲ ብሉጻት ተባዓት !?!

ንግጠሞ ሓቢርና  ንኹሉ እቲ ጭቆና መዓት

ይወገድ ኩሉ ባርባራዊ  ጸገማት ግፍዓ

 

ወዲ አከለ ሰራየ… ሐማሴን ምስ ጋሽ ሰቲት

ወዲ ሳሕል ሰምሃር… ዳንካሊያ ምስ ሰንሒት

አድሕና ሃገርካ ብሓቦ.. ክትቀስን ወላዲት

ይንገስ ፍትሒ.. ቅዋም.. ሕጊ.. ሃገራዊ ስርሒት

 

 ይደምሰስ ይጨፍለቅ ብሉይ ጨቋኒ ግዝኣ

ገረድ ንግበረሉ… ስቃይ መከራ ጥፍ

ንቃለስ  ብግብሪ.. ክንጓናጸፍ ዓወታት

  ክንሃንጻ ሃገርና… ክነጥፋ እተን ወደባት

 

ጭፍራ ህግደፍ ይደምሰስ.. እዚ ሕሱም ስርዒት

ምልኪ ይወገድ.. ይትሓደስ.. ኩሉ ብላይ አረጊት

ኤርትራና ትማዕብል.. ነጻ ትኹን.. ኣብነታዊት   

ክትወግሕ ኢያ.. ዬሃና.. ንኹሉ ሃገራዊ ስርሒት

 

ብ/ መሓመድ ሳ. ኣሕመድ

 14/11/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9041

Posted by on Nov 17 2014 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net