ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዛዕባ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ

encdc executive office

ሕገ ህንጻ ዓንቀጽ (56)፡ ንኣቦመንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ህጹጽ ኣኼባ ክጽዊዕ ብዝህቦ ስልጣን መሰረት፡ ጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝተጸወዓሉ ጊዜ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 90% ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ብምቕባል፡ ዝምልከቶም ሓበሬታ ይልእኩን፡ ኣብ ጊዜኡ ናብ ቦታ ኣኼባ ከምዝኣትዉ የረጋግጹን ብምህላዎም፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይሕብር። ከምኡ’ውን ኮሎ ጌና ሎጂስታዊ ቀረባት ኣብ ምምላእ ዘድልዩ ነገራት ንምስላጥ፡ ናይ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሓበሬታት ዝሓዙ መልእኽቲታት በብመዓልቱ ይበጽሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ጻዊዒት ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዝደገፉ ኣባላት ባይቶ ልዑል ምስጋናኡ ከቐርብ እንከሎ፡ ነቶም ሓበሬታታቶም ዛጊት ዘይለኣኹ ዘሎዉ ዚተረፉ ዉሓዳት ኣባላት ባይቶ፡ ምእንቲ ናይ ምምጻእን ምቅባልን መስተንግዶን ስራሓት ንምስላጥ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ተሪፉ ዘሎ ክልተ ሰሙናት ዝምልከቶም ሓበሬታታት ኪልእኩ የማሕጽን።

 

ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝተጸዋዓሉ ግዜ ኣብ በበይኑ መራኸቢ ብዙሓን (ቴሌዝዥን፣ እንተርኔት፣ ፓልቶክ፣ ፌስ ቡክን ካልእን)፡ ኣኼባ ንምፍሻል ዝዕላማኡ ውዲታዊ ክለሰሓሳብ ምፍታልን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ፍሽለት ኣኼባ ምትምባይን፡ ኣብ ሕጋዊነት ኣኼባ ናይ ጥርጣረታት ክነግስ፡ ወፈራታት ክግበር ጸኒሑ። ኣብ ሞንጎ’ዚ ወፈራ’ዚ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ርኢቶታቶምን መርገጺታቶምን ኣብ ኣኼባ ንምይይጥ ኣቕሪቦም ኪመያየጡሉን፡ ኣብ መወዳእታ ካኣ ቅዋምን መምርሒታትን ባይቶ ብዝእዝዝዎ መሰረት ኣኼባ ንዝውስኖ ውሳኔ ኪቅየዱን ዝግቦኦም ዉሑዳት ኣባላት ባይቶን ፈጻሚትን ይርከብዎም። ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ሱታፌ መብዛሕትኡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቶም ዚቦኽሩ ዘሎዉ፡ ሕደት ኣባላት’ኳ  እንተኾኑ፡ ኣብ ኪንዲ ካብ ሓጹር ወጻኢ ምዝማር ጉጉይ መርገጺታቶም ኪእርሙን ኣብ መስርሕ ኣኼባ ኪጽንበሩን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደጊሙ ይጽውዕ።  ከምኡ’ውን ጎስጓሳቶም ጸረ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ዘነጻጸሩ ዜናዊ ማዕከናት፡ ካብ ውልቃውነትን ንኣሽቱ ጸቢብ ኣጀንዳታትን ብምርሓቕ፡ ህልዊ ተሃዋሲ መድረኽ ተጋድሎ ዝጠልቦ  ወድዓዊ ሓላፍነት ክስከሙን፡ ዓቕሚታቶም ጸረ ጨካን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከቕንዑን የማሕጽን።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ደድሕሪ ቀቢጸ ተስፋዊ ምልዕዓል እንከይተጎተተ ገድላዊ ሓድነትና ብምሕያል ንተዓዋትነት ኣኼባን ኣካይዳ ባይቶ ንምምዕባልን ክጽዒት ይርከብ። ኩሉ ዓንቀፍቲ ሓጹራት ብምልጋስ፡ ኣብ ድልዱል ባይታ ኮይኑ ብሩህ ራእዪ ብምውናን ብዝቐልጠፈ ጊዜ ናብ 2 ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ ንቕድሚት ክግስግስ’ውን ይርከብ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

 

1 ታሕሳስ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9080

Posted by on Dec 1 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net