ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ጅዳ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ

ensf baner

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ጅዳ፡ ብጻይ ኣቡበከር ዓሊ መሓመድ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ውድብ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ብዓርቢ ዕለት 28.11.2014 ኣገዳሲ ኣኼባ ከም ዘካየደ ካብ ስዑድያ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ኣኼባ ጨንፈር ጅዳ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ጨንፈርን ንጥፈታት ውድብና ንምዝታይ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ሽማግለ ጨንፈር፡ ኣብ ዝሕላፈ ግዜ፡ ብፍላይ ድማ ውድብና ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ነበርን ጉጅሉኡን ኣቲይዎ ካብ ዝነበረ ቅልውላድ ድሕሪ ምግልጋል፡  ዝተኻየዱ ንጥፈታት  ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ጨንፈር ግ.ሃ.ድ.ኤን ካልኦት ጨናፍር መሓዙት ውድባትን፡ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ  ብፍላይ ድማ ግደ ኤርትራዊ ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምሕያል ክካየድ ዝጸንሖ ናይ ሓባር ቃልሲ መዚኑ።

ኣኼባ ብምቕጻል፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ኣሰራራሓ ጨንፈ ብዕምቍት ድሕሪ ምምዛን፡ ነቲ ኣውንታዊ ሸነኻት ኣመዕቢልካ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኻት  ድማ ኣወጊድካ፡ ሃገራዊ ግደ ውድብና ብምዕዛዝ፡ ንህዝብን ሃገርን ካብ ኣርዑት ምልካዊ ስርዓት ንምልቓቕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ጨንፈር ንቕድሚት ንምስጓምን ዝሕግዞ ሓሳባትን ርእይቶታትን ቀሪቦም።

ብጻይ ኣቡበከር ዓሊ፡ ብደረጃ ውድብን ደምበ ተቓውሞን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን፡ መሪሕነት ውድብ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ኣብ  ህዝባውን ፖለቲካውን መዳያት ከሰላስሉም ዝርከብ ጽዑቕ ንጥፈታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ጨንፈር ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣብ ጅዳን ይኹን ኣብ ኩሉ ከተማታት ስዑዲ ዓረቢያ ዝገብርዎ ዘለዉ ልዑል  ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ ብጻይ ኣቡበከር መጎሱ ገሊጹ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ንምብራኽ፡ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ይኹን ስርዒትና ኣብ ምስፋሕ፡ ጨንፈርና ተዓጻጸፈ ጻዕርታት ከካይድ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ብኣባላት ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ኣዕጋቢ መልሲ ብምሃብ፡ ነቲ ዝቐረበ ርእይቶታትን ሓሳባትን ናብ ዝምልከቶ መሪሕነታዊ ኣካል ከመሓላልፍ ምዃኑ ብጻይ ኣቡበከር ንኣኼብኛታት ኣረጋጊጹ።

 “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

02/12/2014

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9082

Posted by on Dec 2 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net