ዜና ዓርቢ ሓርነት

ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳምን ሰንበትን ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ሓቢሩ ሓግሒጉ ንኸኣልዮ ዝጽውዕ መልእክቲ ዝሓዘ ስእላዊ ጽሑፍ (ግራፊቲ/graffiti ) ን ፖስተራትን ስቲከራትን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ስኢሎምን ለጢፎምን።
arbi harnet dec 14
ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ብዝሓበሩዋ መሰረት እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ክኸውን ከሎ ሓደ ካብቲ ግራፊቲ ዝተሰኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ፊት ቤት መግቢ መሶብ ወርቂ ጥቃ ካማሳሪያቶ ሓማሴን ዝፍለጥ ቦታ ምኾኑ ሓቢሮም። እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ድማ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ”፣ “ተለዓል” ን “ዓርቢ ሓርነት” ዝብል ይርከቦ። እዚ ንለውጢ ዝጽውዕ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣብ ኤርትራ ይሰኣል ከም ዘሎ ሓቢሮም።

በቲ ሓደ ሸነክ ድማ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘተፈላለያ ለይታዊ ትልሂት ክዘናግዑ ዘምሰዩ ናብ ማኪንኦም ምስተመልሱ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ስቲከር ከምዝለጠፉሎም ሓቢሮም። ክምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ዝእከቦሎም ቦታትት ዘተፈላለየ ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ለጢፎም ከም ዝሓደሩ ሓቢሮም።

ኤርትራና ክውንቲ ንኽትከውን ሂወቶም ዝኸፈሉ፡ ኣካሎም ዝሰንከሎን ደሞም ዝኻዓውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝዳነየላ፡ ሃገር ፍትሕን ዲሞክራስን ድኣ’ምበር፡ ኤርትራዊ ብፍርሒ ተጎቢኡ፡ ብግፍዕን ምልክን ዝመሓደረላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነን ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሚሒኻ፡ ራእን ትምኒትን እቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምትግባር፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።

ዓርቢ ሓርንት ኣብ ዕሰርተ ሓደ ሕዳር 2011 (11/11/11) ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፖርጀክት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለትውን ብርክት ዝበሉ ንለውጢ ዝጽውዑ ንጥፈታትን ቃል መሕተትን ኣካይዱ ኣሎ። ብዘይ ደገፍ ገንዘብ ወልሓደ ክግበር ስለዘይክኣል፡ ኩሎኩም ነዞም ተስፋ ሃገር ኮይኖም ዘለው ደለይቲ ፍትሂ ካብ ኤርትራ ክንሕግዦም ብትሕትና ንሓትት፡፡ ናይ ፐይፓል ሕሳብና ደማ እንሆ፡  http://goo.gl/LKlRJL
06 ታሕሳስ 2014
አፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9092

Posted by on Dec 9 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net