ካልኣይ ጉባኤ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ድለይቲ ፍሒ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ዳዕሮ በይ-ኤርያ) ካልኣይ ጉባኤኡ ብዝሓለፈ ሰንበት 7 ታሕሳስ ኣካይዱ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ዓመታዊ ምርጫ ተገይሩ። እዚ ጉብኤ እዚ፡ ብቑጽሪ ተኻፈልቱ ይኹን ብኣጋባብ ኣካያይድኡ፡ በቲ ኣብኡ ዝወዓለ ኣባል ኣድናቖትን  ምስጋናን  ዘትረፈ  እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እቲ ንጡፍ ተኻፋሊ፡ ብሰንኪ ሽማግለ ቦርድ ዘሕለፎ ጽጉም ተሞክሮታት ካብ ዘሕደሮ  ስክፍታ ብምብጋስ፡ ብዙሕ ሰብ ኣይክመጽእን እዩ ዝብል ግማት ነበሮ። ብኣንጻሩ ግና ኣብዚ ካልኣይ ጉባኤ እዚ፡ እቲ ዝተዳለወ ኣዳራሽ ዒቕ ኢሉ፡ ነቲ ዝነበረ ስክፍታ ወጊዱ፡ ንረኣይኡን ተኻፈልቱን ኣደኒቑን ኣሐጒሱን  እዩ ዘምሰየ።

 

ኣኼባ ብሕጽር ዝበለ ዝኽሪ ነቲ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ በይ-ኤርያ ፍልማይ ዑደቱ ዝፈለም ክቡር ኣቦን ሓውን ሎሚ ምሳና ዝየሎ ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ብምዝካር እዩ ተከፊቱ።  ብኣዳለውቲ ምርጫ ከም ዝምራሕ ብምግባር ከኣ፡ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ሰሪዖም ንኣኼበኛ ብጽሑፍ ዓዲሎም ኣንበብሉ። ካብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝተሰርዐ ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምቕራብ እዩ ዝነበረ። ዮናስ ወልደኣብ ኣባል ቦርድ ብፓወር ፖይንት ኣሰንዩ፡ እቲ ማሕበር እንታይ ንጥፈታት ከም ዘካየደ፡ ብሓፈሽኡ ጉዕዞኡ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ፡ ዓቕሙ ክብ ንምባል ድማ  ዘለዎ ዕድላትን ተኽእሎታትን መደባትን ብምስራዕ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረዲኡ። እንተኾነ ግና ሓደ ካብቲ ድኽመታት፡ ዓመታዊ  ጸብጻብ ሽማግለ በይ ኤርያ ብምልኡነቱ  ክቐርብ  ዘይምኽኣሉ እዩ።  ኣቦ-መንበር ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሰለዘይተረኽበ፡ ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ብምክትል ኣደ-መንበር ብከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ።  ንሱ ድማ እቲ ቦርድ ብፍርቂ ሓይሉ ጥራይ ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ኣባላት ቦርድ ኣብ ገለ ገለ ግለሰባት ዘይምርድዳእ ስለዝነበር ኣብ ስራሕ  ጸገማት  የጋጥም ከምዝነበረን ከምቲ ዝተተለመ ክስጉም ከምዘይተኻእለ ሓቢራ። ስለዚ እቲ ቦርድ ሽግራት ስለዝነበሮ ፡ ነቲ ጸገማቱ ዝፈትሕን ዝዓርቕን ናይ ምርድዳእ ሽማግለ ተመስሪታ፡ ሓደ ሓደ ግድላት ከምዝፈትሐትን  ከምዘረዳድአትን እውን ገሊጻ። ብሓፈሽኡ  ነዚ ኣርእስቲ እዚ ኣልዒልና ክንዛረብ እንተድኣ ኾይና እቲ ጠንቅን ሳዕቤናቱ ርዱእ ክነሱ ኣውዒሉ ከሕድረና እዩ።  ስለዝኾነ ኸኣ፡ ብሓፈሽኡ እቲ ስእሊ ከምዚ ኣሕጺረ ዝገለጽክዎ ኾይኑ፡  ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ኣኪብና ዘሎ ጉዳይ ናይ ምርጫ ተድሃብና ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ብምሃብ ደምዲማ።  እቲ ኣኼበኛ ድማ ነዚ ርእይቶ እዚ ርዒሙ፡ ጉባኤ ናብ ጉዳይ ምርጫ ኣተወ።

የግዳስ ምስቲ ኩል ጸገም፡ ደለይቲ ፍትሒ በይ-ኤርያ ከም ቀደምና መሪሕ ተራ ክንጻወት ኣለና ብምባል ኣብ ሓይሊ ዕማም ብምጥርናፍ ንብዙሕ ተቀማጦ እዚ ከባቢ ብምስታፍ ሓያሎ ዕማማምት ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።  ሓደ ካብቲ ጎሊሑ ዝተራእየ ስርሓት ድማ ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ ህግደፍ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ። እዚ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ጸባ ዘስተየ ኾይኑ፡ ንተደናገጽቲ ህግደፍ ድማ ግምዕምዕ ዘበለ ሃንደበት እዩ ኔሩ።

ድሕሪ ጸብጻብ ቦርድ፡ ኣዳላዊት ምርጫ ኣጋባብ ምርጫ ክመሓየሽ ኣለዎ ብማለት ነቲ ዝሓለፈ ሰሙንን ፈረቃን ክንዳለወሉ ዝቀነና እማመ ናብ ህዝቢ ቀረበ። እማመና ኣብቲ ሕገ-ህንጻ ማሕበር ስለዘየለ ከም ዓንቀጽ ወይ ዓንቀጻት ክሰፍር ኣለዎ ብማለት ኣኼበኛ  ብድምጺ ንኸጽድቖ በብሓደ ተዘትይሉ። ብሓጺሩ፡ ምርጫ ክካየድ እንከሎ፡ ንሓደ ዜጋ ዝሓጺ ስለምንታይ ይሓጽዮ ከምዘሎ ክገልጽ፡ ተቓዉሞ ብዛዕባ ሕጹይ ዘለዎ ተቓውሞኡ ክገልጽ፡ ሕጹይ ነቲ ዝተሓጽዮ ስራሕ ኣመልኪቱ ዓቕሙን ክእለቱን ብቕዓቱን ክገልጽ፡ ንነብሱ ክፋልጥ ወ.ዘ.ተ. ብሓፈሽኡ ኤርትራዊ  ዜጋ እዚ ኣጋባብ እዚ ንኽላማመድ ኣብ ሕገ-ህንጻ ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽሰፍር ተሰማሚዑ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ እቲ ምርጫ ተኻይዱ። 16 ሕጹያት ቀሪቦም ካብኦም ከኣ 7 መሪሕነት ቦርድ ተመሪጾም። ምስኡ ተተሓሒዙ ከኣ ኮታ ወይ ሕዛእቲ  ንተኻፋልነት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት ዝምልከት፡ ብዝወሓደ ካብ 30% ናብ 40% ክብ ክብል ጸዲቑ። ኣብ ርእሲኡ ነዚ ሕግታት እዚ ኣብ ሕገ-ህንጻ  ዘስፍሩን ካልእ ክምዕብልን ክመሓየሽን  ዘድልዮ ዝርእዩን 3 ኣባላት ተመርጹ።  ከማኡውን ክልተ ትቆጻጸርቲ ማሕበር ብተሳትፎ ጉባኤ ተመሪኢጻም ጸደቁ።

 

ኣብዚ ምርጫ እዚ መብዛሕትኦም መንእሰያት እዮም ተመሪጾም። ኣብ ሕጸ ዝቐረቡ  ውሑዳት ዓበይቲ ግና ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግና ሓደ ሓደ ካብኣቶም፡ ንስኻትኩም መንእሰያት ክትቅበሉናን ክትመርሑናን ኣለኩም ዝብል ርእይቶታት ብምቕራብ ነቲ ሕጸ ዘይተቐበልዎ ነይሮም። ብሓፈሽኡ ግና እዚ ኩነታት እዚ ርዱእን ርኡይን ብምዃኑ እቲ ዝሕጸ ዝነበረ መብዛሕትኡ መንእሰይ እዩ ዝነበረ። በዚ መሰረት እዚ ኣብ በይ-ኤርያ እቲ መሪሕነት ቦርድ ናብ መንእሰያት ተመሓላሊፉ እዩ ክብሃል ይከኣል። ኣብ መጨረሽታ እታ ብዙሕ ግዜ ድገምያ ዘበለት ግጥሚ ፍረወይኒ ገርግሽ ድሕሪ ምንባባ፡ እቲ ዝወዓለ ኣኼባ በዚ ተፈጸመ። ኣርእስቲ እታ ግጥሚ፡ “ኣብ ዝኽሪ ሽምዓኻ እዩ ጉባኤና ወዲ ባካሮ፡” ትብል። ሓንቲ ዓምዲ ካብታ ግጥሚ፡–

 

ከማኻ ከለዉ ዝኻሓዱ ነቲ ስርዓት፡ ምስጢር ከይዛረቡ ዝሰኣኑ ትብዓት

ሓኒቕዎም ከሎ ከም ምራን ቁራብዓት፡ ዳዕኒንዎም ከሎ ከም ሕማም መንድዓት

ጎቦ ጎቦ ዝብሉ ኣካይዳ ፈርሓት፡ ኣይተብዓት ተቓለስቲ ጎድኒ ናይ ውጽዓት

ኣይንጹራት ተጣበቕቲ መሳሰይቲ ስርዓት፡ ብደዎም ዝብከዮም ኣለዉና ቊቛታት

 

ኣሰናዳኢት ምርጫ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

12.10.14

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9101

Posted by on Dec 14 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ካልኣይ ጉባኤ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ”

  1. Ambelay

    Completely doomed. THE Bay Area for Democratic Change is an organization that serves to selective group element interest in past we observed so many unethical behind works that driven by those special interstate groups and they have the nerve to the chairman was not attend the meeting after systematically push him to sides.

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net