ዜና ብስራት!!

encdc

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሎሚ 15 ታሕሳስ 2014 ልክዕ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ “ንኩሉ ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓወት ኢና!!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ፡፡

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብወግዒ ስርሑ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስናን መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጥን ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ኩሎም ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ንሓደ ደቒቅ ዝኽረ ሰማእታት ብምግባር’ዩ መደባቱ ዝፈለመ፡፡encdc dedrazet 15 12 2014

ድሕሪ’ዚ መሪሕነት ባይቶ፡ ፍሉይነት ናይ’ዚ ኣኼባን ተሰኪምዎ ዘሎ ረዚን ሓላፍነትን ብምምልካት፡ ሓድነት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምዕቓብን ዕዉት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባእ ኣገዳስን ታሪኻውን ምዕራፍ ምዃኑ ገሊጾም፡፡ ኣቦ መንበር መሪሕነት ባይቶ ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ ኣብ መኽፈቲ ወግዓዊ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ንዝተሰከምዎ ከቢድ ጾር ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ባይቶና ንዝተበገሰሉ ዕላማ ንምዕዋት ከካይድዎ ዝጽንሑን ዘካይድዎ ዘለዉን ኩለ-መዳያዊ ጻዕርታት ብምምጓስ፡ ንዘርኣይዎ ትዕግስትን ሓላፍነታዊ መንፈስ ዝመልኦ ተጻዋርነትን ኣድናቖቱ ገሊጹ፡፡ ብምቅጻል፡ ሃገራዊ ባይቶ ክሓልፎ ዝጸነሐ ዕንቕፋታት ንምስጋር፡ መሪሕነት ባይቶ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ነዚ ኣኼባ’ዚ እትመርሕ ሓዳሽ ሰክረታርያ ብገዛ ክትምዘዝ ብዕግበት ከምዝቕበልን፡ በዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣቢልና ናብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስግጋር ከም ኩሉ ኣባል ባይቶ ተሳትፍኦም ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ኣረጋጊጹ፡፡

ድሕሪ’ዚ ብሙሉእ ዕግበት ኣባላት ባይቶ ዝተመዘዘት ኣማራጺት ሽማግለ፡ ንህጹጽ ኣኼባ እትመርሕ ሰክረታርያ ከተማርጽ ኣብ መድረኽ ተሰየመት፡፡ ኣባላት’ዛ ሽማግለ ገዲም ተጋዳላይ ሑሴን ከሊፋ፤ ገዲም ተጋዳላይ ኣቡ ከሊልን ገዲም ተጋዳሊት ኣስገደትን ብኣባላት ባይቶ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓትን ጽፈትን ፈጺሞም፡፡ በዚ መሰረት ድማ ካብ ገዛ ዝተረቑሑ ዓሰርተ ሕጹያት ቀሪቦም፡ ሸውዓተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ብሙሉእ ድምጺ ተመሪጾም፡፡

encdc dedrazet2 15 12 2014
እዚ ብህዱእ መንፈስ ብእንካን-ሃባን ዝጀመረ ኣኼባ፡ ስርሑ ብምቕጻል ዝተመረጸት ሓዳሽ ሰክረታርያ ኣብ ውሽጣ መቐላ-ዕዮ ጌራ፤ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወኻኺሳ፤ ብፈ/ቤ/ጽ ንዝቀረበላ ኣኼባ ዝምርሓሉ ስርዓተ-ሕጊ ብምምርማር፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ብምትእትታው፤ ብዝጸፈፈን ብዝቐልጠፈ እዋን ምዱብ ስርሓ ከተነጽር በቒዓ፡፡ ብሃ/ባይቶ ዝተመረጸት ሰክረታርያን ሓላፍነታታን፡-encdc dedrazet3 15 12 2014

Ä ሓጅ ዓብደኑር ኣቦ መንበር

Ä ክ/ዮሃንስ ወ/ገርጊስ ምክትል

Ä ተኽላይ ኣብርሃ ምምሕዳር

Ä ኢሳቕ ኣሕደጎ ዜና

Ä መኮንን ተኽለ ተሓዝ መዝገብ

Ä ጀዋህር መ/ዓሊ ኣባል ምምሕዳር

Ä ኑርያ ሑሴን ኣባል ምምሕዳር

ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ድማ፡ ብመሰረት ሕገ-ህንጻና ምልኣተ-ኣኼባን ሕጋውነቱን ምርግጋጽ፡ መቅድም ስርሓ ብምግባር፡ ንዝተሰከመቶ ሓላፍነት ክትዋጻእ ጀሚራ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ሕገ-ህንጻና ክማላእ ካብ ዝጠልቦ ቁጽሪ ኣባላት ንላዕሊ፡ ኣባላት ባይቶ ንጻውዒት ህጹጽ ኣኼባ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦም ኣብ ኣኼባ ስለዝተረኽቡ፡ ኣኼባ ኮረም ዘማለአ ዕላዊ ኣኼባ ምዃኑ ብሙሉእ ድምጺ ኣጺዲቑ፡፡ ድሕሪ’ዚ ኣኼባ ዝምርሓሉ ንድፊ ስርዓተ-ሕግታት ቀሪቡ፤ ድሕሪ እኩል ልዝብን ዘተን ድማ ኣድላዪ ምምዕርራይ ተጌሩሉ ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቑ፡፡

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ቦኽሪ ውዕሉኡ ወግዓዊ መክፈቲ ስነ-ስርዓትን ከፊላዊ ዕዮታቱን ብዕውት ዛዚሙ፡ ንካልኦት ቀጻሊ መደባቱ ናብ ጽባሕ ብምስግጋር፡ ኣብ ገድላዊ ዕዮ ብዓቢ ሓላፍነታዊ መንፈስ ተጸሚዱ’ሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ደለይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኾኑ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ተቓውሞን፡ ሰክረታርያ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክፍሊ ዜና መዓልታዊ ውዕሎታትና ብውዕዩን ብቀጻልን ካብ ኣዳራሽ ጉባኤ ክሕብር ምዃኑ ንገልጽ፡፡

 

ንኩሉ ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓወት ኢና!!

 

ክፍሊ ዜና

ሰክረታርያ ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ

15 ታሕሳስ 2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9112

Posted by on Dec 16 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net