News

ሓበሬታን ስእላዊ መግለጽን ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

2ይ መዓልቲ ውዕሎ

ሓበሬታን ስእላዊ መግለጽን

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ኩሉ ዕንቕፋታት ሰጊርና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓውት ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብ15 ታሕሳስ 2015 ዝጀመረ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ውዕሎ ካልኣይ መዓልቱ ብንግህኡ፡-

  1.  ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከይግባእ ዘጋጠሙ ዕንቕፋታት ከመይ ይመስሉ፡
  2. ካልኣይ ሃገራዊ ንምዕዋት ሕጂ’ኸ መፍትሒኡ እንታይ’ዩ፡
  1. ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣድላዪ መሳርሒታት እንታይ’ዮም። ዝብሉ ሰለስተ ኣጀንዳታት ብድሕሪ ምንጻር፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከይጋባእ ዝነበሩ ዕንቕፋታት ንምድህሳስ፡ ብህዱእ ሓላፍነታዊ መንፈስ ልዝባቱ ቀጺሉ ውዒሉ።

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ዕንቕፋታት ብንጹር ንምልላይ፡ ነቶም ንስራሓት ሃገራዊ ባይቶ ንምስልሳል ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣካላት መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ ጸገማት ሓበሬታዊ ጸብጻባት ክህቡ ሓቲቱ።

ካብ ሰለስቲኡ ኣካላት መብርሂታት ብድሕሪ ምስማዕ ድማ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ገና ኣብ ዘይበርሁ ተወሳኺ መብርሂታት ንዝሓቱ ጉዳያት ብመልክዕ ሕቶታት ኣቕሪቦም። በብሓደ ሰለስቲኡ ኣካላት ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት መብርሂታትን መልስታትን ሂቦም፡ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ እቶም ዕንቕፋታት ከመይ ይመስሉ ነይሮም? መፍትሒኦም’ኸ እንታይ ክኸውን’ዩ ንምልላይ ዘኽእል ግንዛቤታት ጨቢጡ ወጺኡ ኣሎ።

እቲ ብህዱእ ሓላፍነታዊ መንፈስ ብ16 ታሕሳስ 2014 ክዝቲ ዝወዓለ ካልኣይ ውዕሎ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብ17 ታሕሳስ 2014 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ሕጂ’ኸ መፍትሒኡ እንታይ ምዃኑ ንምንጻር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ክዝቲ ክውዕል’ዩ።

ኩሉ ዕንቕፋታት ሰጊርና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓውት ኢና!!

ክፍሊ ዜና
ሰክረታርያ ህጹጽ ኣኼባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
16 ታሕሳስ 2014

encdc dedrazet 16-12- 2014 (1) encdc dedrazet 16-12- 2014 (2) encdc dedrazet 16-12- 2014 (3) encdc dedrazet 16-12- 2014 (4) encdc dedrazet 16-12- 2014 (5) encdc dedrazet 16-12- 2014 (6) encdc dedrazet 16-12- 2014 (7) encdc dedrazet 16-12- 2014 (8) encdc dedrazet 16-12- 2014 (9) encdc dedrazet 16-12- 2014 (10)encdc dedrazet 16-12- 2014encdc dedrazet 16-12- 2014 (11)

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top