ሃገርና እናጠለቐት.. ኣይንኹን ተወላወልቲ

ya akil

በዓል ኣቦይ ገራህቱ

ኣቦና ኣይትኹኑ

ህዝቦም እና ተሳቐየ

ዓይኖም ዝዕምቱ

ምእንቲ መረባዓት

ሕልነኦም ዝሸጡ

ዝነገሰ ንጉሶም..  ስሱዓት

ናይ በለጽ ወጣጡ

 መኻን የእምሮኦም

ምስሉያት ወትሩ ዓያሹ

***

በዓል ኣደይ መዘንግዕ

ኣደና ኣይትኹና

ደቀን እናጠለቑ

ተሸሊመን ዘኳድዳ

ኣልቦ የእምሮኤን

ብቀሊል ዝታለላ

መወልቲ ሸፋቱ

ኮስኪሰን ዝናቢያ

ዘደንግጻ ፍጡራት’የን

ናይ ድንቁርና  ኣርማ

***

ዘስተንትን.. ዘገርም’ዮ

ድሕሪ ነጻነት መሬት ኤርትራ

መንእስያት ሃገረይ

ክሽየጡ ክልወጡ ከም ኣቕሓ

ሕሱራት ቅያር ኣቕሑ ኮኑ

ዝነግዱሎም ኣረማዊያን ደላላ

ማንጆስ..  ጸጥታ ሱዳን

 በድዊን ሲናይ.. ራሻይዳ

ናይ ኩሊት ሃዳኑ ዝቀባበልዎም  

 ብህንቍውታ.. ብዘይ ንሕስያ

*****

ቅድም ነሮም

ነጻነትና  ዝሸጡ ንባዕዲ

ሕሱራት.. ከዳዓት

ንጃንሆይ ተምበርከኽቲ

ስኽፍ ዘይብሎም

ክብረቶም ሸየጥቲ

ታሪኽ ይድገም’ሎ

ድሕሪ’ዚ ኹሉ መሪር ቃልሲ

በዞም ዉርዚያት መጓበብቲ

ንጥፍአት ሃገር መወልቲ ደገፍቲ!!!

***

ንምብርካኽ ዝተፈጥሩ

ናይ ዝልመት ጸገንቲ

ካብ ታሪኽ ዘይማሃሩ

ወትሩ ኣድሓርሓርቲ

ትማል ምስ ወያነ

ሎሚ ምስ ዴምህት መሻርኽቲ

ስሱዓት… ጠላማት

ንደም ስዉአት ዋጋ ዕዳጋ አዉረድቲ

ወረስቲ ናይ ኣበር

ወትሩ ተገዛእቲ

***

ወዲ ኤረይ.. ኣስተባህል

ንቃሕ… ጽባሕ ከይትበኪ

ተወደብ… ተቃለስ

ኣድሕና ዓድኻ.. ካብ ውራ ባዕዲ

ኣይንጥለም ሕድሪ ሰማእታት

ንሓሉ ልዑልነት ዓዲ

ሓቢርና ንኽተት… ንቃወም

ነድሕና ሃገርና ካብ ጸድፊ

አይንዘንግዕ ሃገር ክትዝመት

ኣይንኹን.. ተወላወልቲ

*****

ኤረየ…  ኤረና

መዓስከር ዴምህት

ኮይና’ላ.. ኤርትራና !?!

ክብርና በሪሱ.. ሓሳረ መከራ ሰፊኑ

ጭንቀት በርቲዕዎ.. መንእሰይ ተሰዲዱ

ሸፋቱ ህግደፍ-ዴምህት

 ኤረና ጎቦጡ

ብመደብ.. ክቀትልዋ ተዓጠቁ

ሃገርና ወሪሶማ.. ነጻነትና ዳህሰሱ

ዑና ኮነት ሃገር.. ኣልቦ ባዶ ከንቱ

***

ናይ 70 ዓመታት

መሪር ሃገራዊ ቃልሲ.. ዝትሰግረ

ደም ስውኣትናን መስዋእትናን

ከይከውን ዝኽሪ.. ምህውታተ

ነዚ ኣስጋኢ መድረኽ

ንመክቶ ሓቢርና ብሓደ

ሃገር… መንፈስ እያ መንነት

ንዓቅባ… ብጥንቃቀ

 ብሸፋቱ ከይትጠፍእ

ከይትኸዉን ታሪኽ.. ነሩ.. ነበረ

***

ዓገብ.. እወ ዓገብ.. ንበል

ከይጠፍኤት ከላ ሃገርና

ፍሽልቲ ሃገር.. ገሃነም ገሮማ

ተድህብ’ላ ንህልቀታ

ዕዉራት ጸማማት አይንኹን

እና ረኤና እና ሰማዕና

ብደም ጀጋኑ ዉፉያት

ዝተረኽበት ናጽነትና

ንዓቅባ ልዑልነትና.. ንቃለስ

ክብርና’ያ.. ሂወትና… ሓበና… ሓላልና

 

 

ብ/ ሙሓማድ ሳ. ኣሕማድ

27/12/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9169

Posted by on Dec 27 2014 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net