Articles

ዮሃና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን 

eda

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ   ናብዚ ክቡር ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመት 2015ን’ዚ ብስላም ኣብጽሓኩም ብምባል ስናይ ምልእኽቱ የመሓላልፍ። ብምቅጻል ባዓል ልደት ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ተኽተልቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ ተኽባቢርካ ብስላም ምንባርን ምጽውዋርን ዝመልኦ ልሉይ ባህልታቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብሓባር ብምንጻግ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

30 ታሕሳስ 2014

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top