ዮሃና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን 

eda

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ   ናብዚ ክቡር ርሑስ ባዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመት 2015ን’ዚ ብስላም ኣብጽሓኩም ብምባል ስናይ ምልእኽቱ የመሓላልፍ። ብምቅጻል ባዓል ልደት ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ተኽተልቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ ተኽባቢርካ ብስላም ምንባርን ምጽውዋርን ዝመልኦ ልሉይ ባህልታቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብሓባር ብምንጻግ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

30 ታሕሳስ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9195

Posted by on Dec 31 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net