ኣንታ ሓሊመ’ምበር

ግራተይ ርኤያ ብማዕዶ

ብዕራይ ልፍንቲ ክጸምዶ

ነዊት ኣብ ዝባነይ ተሰኪመ ክኸዶ፡

ኣንታ ሓሊመ’ምበር ኣነስ

ከፈይን ጨዓይን ቆሪነ ክሓርስ

ዑንፉን በጺሑ ክበልዕ ክጠብስ፡

ለዋህ መሬተይ ይኣኽለካ ዘይትብል

መመሊሳ ትጥጥዕ ተብቑል

ተጽግብ ተዕንግል፡

ካብ ደረትኪ ዝጅምር ልግስኺ

ናይ ከስርሲ ከርሲ

ካዕቦታት ተፈሪዪ ተሕፍሲ፡

ምግምጣል ኣይትደሊዪ ጽግኢ

ብኣኺ ተኣምር ክርኢ

ስርግፍኦ ትሰፍሪ፡ ቆፎታት ትመልኢ፡

ግራተይ ግራት ሓቒ

ኣይትሳለሲ ኣይትፋረቒ

ክንዲ ሉለይ ኣልማዝ ወርቒ፡

ዕንጕለ ይመስል፡ ስገም ስርናይ ተፍሪ

ተስፋ ስኡን፡ ጥሙይ ተድርሪ

ስመሪ ደኣ ግራተይ ስመሪ፡

ባርኖስ ዘይትፈልጢ ባልዕ

ሰብኪ ኣይጽሂ፡ ኣይድኵዕ

መን ከማኺ የቆጸልጽል ይለምዕ፡

ሎሚ ሎሚ ግን ወረ ክሰምዕ

ቅንፍዘ መፍለስ ክብሉኺ ጽግዕ

መርኣያ ሕማቕ ዘመን መከራ ቃልዕ፡

ሓዊ ኣፎም ግንያት ኣራዊት

ኣዝመራ ዝጽይቑ ናይ ክፍኣት ስሕለት

ኣየ እዚ ባህሪ፡ ኣየ እዚ ፍጥረት፡

ሓንሳብ ምስ ደነኑ ዘይቐንዑ

ዘብዘብ ጉያ ኣየ”ባ ክስስዑ

ግደ ኣይፈልጡ ኣይስርዑ፡

ዘመናውያን ኣራዊት ሰብ ዘይፈርሑ

ጠምዮም ጽጊቦም ሓድሕዶም ዝራግሑ

ሓረስታይ ዝዀነ ብኣ’ቶም ሰኪሑ፡

ግራተይ ኣባኺ’ዩ እምነት

ኣይትጨክኒ ለዋህ ነባይት

ቆልዑ ከይበኽዩኒ ክትዀኑ ኣባዲት፡

ሓጹር ክዀነኪ፡ ካብ መፍለስ እንተሓይለ

ከም ቀደምኪ ክትፈርይለይ ብማዕዶ ዝልለ

ጥልመት ዋጋ የብሉን ኣይንፈላለ

መፍለስ ናብ ዘበለ እንተበለ

ሓጹረይ ከይዘለለ

ኣይረኽበክን’ዩ ሕሩመይ ኢለ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=936

Posted by on Jul 12 2010 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net