ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መደባቱ ይቕጽል ኣሎ።

ensf baner

ሰገነይቲ፡

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸሙ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራቱ ይቕጽሉ ምህላዉ ተፈሊጡ። ሎሚ ወገሕታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓይልታት ብምልኣኽ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ (ኣከለ ጉዛይ) ኣባይቲ ንምፍራስ ተዋፊሩ ምንባሩን፡ ተሪር ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሙ ግን እከይ ስርሑ ኣብ ግብሪ ከውዕል ከም ዘይከኣለ፡ ካብ ከተማ ሰገነይቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዓቢ ወጥርን ቅልውላውን ከም እትረከብን፡ ህዝብና ድማ ንኣዕናዊ ተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንከፍሽል ተዓጢቑ ምህላዉን ምንጭትታና ኣረጋጊጾም።

 

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ኣብ ትሕቲ “ብሕግን ፍቓድን ዘይተስርሐ ኣባይቲ ክፈርስ ኢዩ” ዝብል ሓልዮትን ርህራሄን ዘይብሉ መደባቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ከተግብሮ ምኻኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክትግበር መደብ ተሰሪዑ ምህላዉ ካብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ  ናይ’ዚ ድማ፡ ሓላፍነት ትግባሬ እዚ ኣዕናዊ ዕማም’ዚ ወሲዱ ዘሎ ሓላፊ ጸጥታትን ስለያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብራሃ ካሳ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ “ኣዱሊስ” ኣቃሊዑ። 

 

ብዛዕባ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ብዝምልከት፣ ድሕሪ’ቲ ሓያል ናይ ህዝቢ ተቃውሞ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እቲ ዝጀመሮ ናይ ምፍራስ ኣባይቲ ንግዜይኡ ጠጠው ከብሎ ተገዲዱ ምህላዉ ተፈሊጡ። ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዕለት 05/03/2015 ዝተገብረ ኣድማ ናይ ህዝቢ ብጥይት ሓይልታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. 4 ክቐተሉ እንከለዉ ክልተ ዜጋታት ከኣ ቆሲሎም ንሕክምና ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእኩን፣ ሓደ ካብኣቶም ድማ ከቢድ መቕሰልቲ ስለ ዝጋጠሞ፣ ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ምሃላዉ ተረጋጊጹ። 

 

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

06/03/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9418

Posted by on Mar 6 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net