መግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ensf baner

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ዝተገብረሉ ምኽንያት ብትካቦ ንይምሰል ዝተዋህባ ዕለት ዘይኮነስ፡ ፍትሒን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፡ ድርብ ምዝመዛን ድሑር ባህላውን ግጉይ ኣተረጓጉማ ሃይማኖታትን ዘስዓቦ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸምን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰታትን ኣድልዎን ሓንሳብን ንሓዋሩን ጠጠው ንምባል ዘበገሰቶ መሪር ቃልሲ እተብዕለሉን መላእ ፍትሒ ዘቐድም ሕብረተሰብ ዓለም ድማ፡ ሓቢሩ ዘብዕላ ኣህጉራዊ ዕለት’ያ። 

 

ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ብ 8 መጋቢት 1857 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንማዕረ መሰልን ማዕረ ደሞዝን ኣብ ዝገበረኦ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊስ ፈሪሱን ብዙሓት ድማ ተጎዲአን። እንደገና ድሕሪ 51 ዓመታት፡ ማለት ብ 8 መጋቢት 1908፡ ደቀ-ኣንስትዮ ንዝኽሪ እቲ ቅድሚ 51 ዓመታት ብሓይሊ ፖሊስ  ዝተጓዕጸጸ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ክምኡ\ውን ናይ ምድማጽ መሰለን ንምርግጋጽን፡ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኒ ህጻውንቲ ኣብ ትካላት ማእቶት ዝካየድ ምዝማዛ ጠጠው ክብል ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ኣካየዳ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 28 1909፡ ኣብ ኒውዮርክ ብተበገ ሶሻሊስት ሰልፊ ኣመሪካ ንዝኽሪ እቲ ብደቀ-ኣንስትዮ ብ1908 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ዓቢይ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1910 ኣብ ኮፐንሄግን – ደንማርክ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ናይ ደቀ-ኣንስትዮ ዋዕላ ድማ 8 ማጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ንኽትብዕል ተወሰነ። ድሕሪ’ዚ ኢዩ ከኣ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዛ ዕለት እዚኣ ከም ኣህጉራዊት መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ እንቶላይ ሃገራዊ ናይ በዓል መዓልቲ ተቝጺራ ንኽትባዓል ብምውሳን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብክብ ዝበለ ደረጃ ክትባዓል ትርከብ።

 

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀ- ኣንስትዮ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ድርብ ባህላዊ ይኹን ግጉይ ሃይማኖታዊ ኣረዳድኣ ዘስዓቦ ግፍዕታት ንፍትሒ ዝመነጽሮም ፍጡራት ርዱእን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብዳህ ካብቲ ዝግበኦ ናይ ቃልስና ዕላማታት ምዃኑ ዉሁብ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ይኹን ሕጂ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ እቲ ዝከኣል ዘበለ ኣበርኪተንን የበርክታን ኣለዋ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ፖለቲካዊ ተጋድሎ ተሳቲፈን እየን። ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ብስውእቲ ኣለም ጸሃይ መስፍን ዝተጀመረ ብሉጻት ደቂ ሃገር ኣወፍየን እየን።

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግና እተን ኣዝየን ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ዝኾና ደቀ-ኣንስትዮ ምዃነን ንኹሉ ብውድዕነት ዝዕዘብ ኤርትራዊ ብሩህ እዩ። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ንምውጋድ ማዕረ ነቲ ፍትሕን ደሞክራስን ንምትካል እንገብሮ ዘሎና ቃልሲ ምስርዑ ናይ ግድን ይኸውን። ነዚ ዕሽሽ ምባል ንደሞክራሲን ፍትሕን ይቃልስ ኣለኹ ምባል ኣፍኣዊ ጥርይ’ዩ ዝገብሮ።

 

ኣብዚ ሎሚ እዋን ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝገብረኦ ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፡ ክምቲ ሓፈሻዊ ንህግደፍ ብፍትሓውን ሕጊ ዝገዝኦ ሕብረተ-ሰብ ንምትካእን ዝግበር ተጋድሎ፡ ተሳትፎ ኤርትራዉያን ማዕረ እቲ ዝጥለብ ዘይምዃኑ፡ ብእኡ ደርጃ ድማ ደቀ-ኣንስትዮ ክጽለዋ ናይ ግድን እዩ።  እቲ ርዱእ ክኸውን ዝግባእ ግና ብዘይ ሰፊሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝረጋገጽ፡ ፍትሒ ይኹን ግዝኣተ- ሕጊ ከምኡውን ደሞክራሲ ብፍጾም የሎን።

 

ምልስ ኢልና ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘሎ ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ምስ እንምልከት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባላት ውድብና፡ ውድበን ካብ ሸርሕታት ህግደፍን ድሑር ዝንባለታትን ንምንጋፍ ዝገበረኦ ሓያል ብደሆ ኣብነታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ወድብና ብምድሓን ኣብ ባህርያዊ ናይ ቃልሲ ቦትኡ ክመልሰኦ ምብቀዐን ኣብ መዛግብ ታሪኽ ብወርቃዊ ቀለም ተጸሒፉ ክነብር ኢዩ።

 

ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ንኩለን ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዮሃና እናበልና። ንግዝኣተ-ሕግን ማዕረነትን ደሞክራስን ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ዝያዳ ከም ዝድንፍዕ ንኽገብራ ጻዊዕትና ብምቕራብ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ መሰላ ንክትጕናጸፍ ከይ ተሓለለ ክቃለስ ምዃኑ ቃሉ የሕድስ።

 

8 መጋቢት ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!”

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ፈጻሚ ኣካል

08/03/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9423

Posted by on Mar 9 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net