ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ቀጺልዎ

ensf baner

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዕለት 04/03/2015 ዝጀመሮ ምፍራስ ኣባይቲ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ይቕጽሉ ምህላዎ ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ “ደቺ ሚላ“ ዝነበረ ኣባይቲ ድሕሪ ምዕናው፣ ሕጂ‘ውን ሎሚ ሰኑይ 16/03/2015 ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ ኣሪሜናዊ ተግባራቱ ብምቕጻል፡ ኣብ ምዕራብ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ “ካምፖን ዝባን ዝግብን“ ዝተበሃለ ሰፈር ኣባይቲ ከፍርስ ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብ ዕለት 05 መጋቢት ብተማሃሮን መንእሰያትን ዘጋጠሞ ሓያል ኣድማ ንምግታእ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሳብ ናይ ምዕናው መደባቱ  ብምሉእ ዘሰላስል ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጾ ወሲኑ ምህላዉ ካብ ዓዲ ቀይሕ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

 

ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዓቢ ሓዘን ተዋሒጣ ምህላዋን፡ ተቐማጦኣ ብሃንደበት መንበሪ ኣባይቶም ብጭካኔ ዝመልኦ ኣገባብ ዓንዩ ኣብ ዛሕ-ዛሕ ከም ዝርከቡን፡ መብዛሕቲኦም ድማ ምስ ቤት ሰብን ፈለጥቶምን ተዓቒቦም ምህላዎም ተሓቢሩ። ካብ‘ቲ ኣዝዩ ዘተሓሳሳብ ጉዳይ ከኣ፡ ብዙሓት ተቐማጦ ናይ‘ቲ ዝዓነወ ኣባይቲ፡ ሞልታ ይኹን ካልእ እቲ ስርዓት ከም ምኽንያት ዘቕርቦ ጉዳያት ብገንዘብ ከሕውይዎ ቁሩባት ምዃኖም ብምግላጽ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ክበቕዑ፡ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግን ጸማም እዝኒ ከም ዝሃቦም ተፈሊጡ።

 

ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ ህዝቢ ዓዲ ቀይሕ፡ ብሰንኪ ጨካን ውሳኔ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣቲየሞ ካብ ዘሎ ደልሃመት ንምግልጋል፥ ሕብረተሰብ ዓለምን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኣካይዶም ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጸቕጢ ክገብሩ ተማሕጺኖም።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

16/03/2015   

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9448

Posted by on Mar 16 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net